Audio: ኣብ ጁባ ዝርከብ ኢምባሲ ኤርትራ፡ ንዜጋታቱ ካብ ዞባ-ግጭት ኣብ ምውጻእ 3ተ ነፈርቲ ከምዘዋፈረ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም ንቪኦኤ ገሊጹ – VOA Tigrigna

VOA Tigrinia 12_31

​Audio: Eritrean Embassy in South Sudan evacuates nationals from warzones – VOA Tigrigna

ኣብ ጁባ ዝርከብ ኢምባሲ ኤርትራ፡ ንዜጋታቱ ካብ ዞባ-ግጭት ኣብ ምውጻእ 3ተ ነፈርቲ ከምዘዋፈረ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም ንቪኦኤ ገሊጹ

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ቦር ግን፡ ምዕላብ ስለዘይክኣል ኣብ መዕቆቢ ክጸንሑ መኺሩ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ኤርትራ ግርማይ ገብረማርያም ሎሚ ሰሉስ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ጻዕሪ ምድሓን ዜጋታት ብጻዕቒን ብትግሃትን ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።
ንኤርትራ ክወጹ ንዝደልዩ ድማ፡ ብፍሉይ ምትሕብባር ወረቓቕቲ ነሳልጠሎም ኣለና ኢሉ።

“እንታይ ኔሩ? ፖሊትካዊ ኣተሓሳስብኡ እንታይ`ዩ እንታይ`ዩ ሕብሩ ብዘገድስ፡ ንምድሓን ህይወት ቀዳምነት ሰሪዕናዮ ኣለና” ኢሉ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም።

ምሉእ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብዚ

Click Below for Audio

[Audio: http://realaudio.rferl.org/voa/TI/2013/12/31/0d5a8c12-ff37-47f7-a110-862f3447f921.mp3]