Part 4 Interview with President Isaias Afwerki ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

PIA8

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፡ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን  ክፋል’ቲ ቓለ-መጠይቕ፡ ኣፍሪቃ ኣብ  ፓለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ወዘተ … መዳያት ንኸይትምዕብል ዝዓንቀፍዋ ረቛሒታት ኣብሪሁ።  ብመርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ እቲ ሰነዳት ሓድሽ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ንብስም ዲፕሎማሲ ዝካየድ ጥበብ ሓሶትን ምድንጋርን ኣብ ምቅላዕ ግደ ከም ዘሎዎ ኣገንዚቡ።  ከምኡ’ውን ዓለምና ምውዳቕ ሕብረት ሶቭየትን ምድያብ ኣመሪካ ከም እንኮ ልዕለ-ሓያላንን ምንቍልቋልን ከም እተዓዘበት ገሊጹ።  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መድረኽ ኵናትን ዕብለላ ሓደ ልዕለ-ሓያላን ዘብቅዓሉ ግዜ ይኽሰት ምህላዉን፡ ዓለምና ብፍሉይ ዳይናሚካዊ ረቛሒታት ዝመሓደር ኣብ ሓድሽ መድረኽ ንምእታው ትቀራረብ ከም ዘላን ኣብሪሁ።
ፕረዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ግጭት ስነ-ሓሳብ ከም ዘብቀዐ፡ ታሪኽ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ከም ዝኣተወ ከምኡ’ውን ግጭት ናይ ስልጣነታትን ሃይማኖታትን ከም ዝተጀመረ ዝገልጽ ስነ ሓሳባት ርእይቶኡ ተሓቲቱ ብዛዕባኡ ትንታነኡ ኣቕሪቡ። ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፡ ርእይቶታት ንምልውዋጥን ሓሳባት ንምዝርጋሕን ብቑዕ መድረኽ ንክኸውን ከኣ ምንየቱ ገሊጹ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት፡ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ካብ መጀመርያ ሱሳታት ጀሚራ ኣብ ኣህጉራዊ ጕዳያት ልዑል ግደ ዝጻወት ሓይሊ ንኽትምስርትን መንገዲ ልምዓትን ሓድነትን ንኸተደንፍዕን ክትጽዕር ጸኒሓ፣ እንተኾነ ክሳዕ’ዚ እዋን’ዚ ኣይቀንዓን። ስለምንታይ’ያ ክትዕወት ዘይከኣለት?

መልሲ፡-  እቲ ሽግር ናቱ ምልክታትን ሳዕቤናትን ብዘየገድስ፡ ካብ ፍሉይ ኵነታት ኣፍሪቃ ዝተበገሰ’ዩ። ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ዝደሓረት ክፍለ ዓለም’ያ። ኣፍሪቃ ኣብ ዓውለማ ኣይትጥቀስን፣ ኣብ ቍጠባውን ማሕበራውን መዳያትን ትካላዊ ምዕባለን ንድሕሪት ተሪፋ’ላ። ኣፍሪቃ ከም ጥረ ነገራት ዘሎዋ መሬት ጥራይ’ያ እትፍለጥ። ህዝባ ኣገዳሲ ወይ ተሰማዕነት ዘሎዎ ባእታ ክኸውን ኣይከኣለን። እዚ ሓቅ’ዚ ፍሉጥን ኵሉ ዘስተብህለሉን ጕዳይ’ዩ። ስለምንታይ’ዩ ከም’ዚ ክኸውን ዝኸኣለ?  ጠንቁ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ምኽንያታትን፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ለውጥታት ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ብዘይምብጽሖምን’ዩ።  ኣብ ሱሳታት እቲ ዝሓለፈ ኽፍለ ዘመን፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ቅልጡፍ ምዕባለ ንኽምዝገብ ዝብህጉ መራሕትን ህዝብን ነይሮም’ዮም። እንተኾነ ዅሉ ዝተሃቀነ ፈተነታት ክዕወት ኣይከኣለን። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ሰላሳን ሸውዓተን ዓመታት እኳ እንተ ጸንሐ፡ ዕዉት ስራሕ ንምስራሕ ኣይበቕዐን።  ባህግታት ኣፍሪቃውያን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ፡ ድልየትን ስምዒትን ጥራይ ኮይኑ ተሪፋ።  እተን ንዓቕምታት ኣፍሪቃ ዝቈጻጸራ ዝነበራ ገበትን ዓብለልትን ኣህጉራውያን ሓይልታት፡ ኣፍሪቃ ንኸይትምዕብል ኣሉታዊ ተራ ነይርወን’ዩ።  እዘን ሓይልታት እዚኣተን ዕላማአን ኣፍሪቃ ኣካል ናይቲ ዓለማዊ ቝጠባ ከይኮነት፡ ንጥረ ነገራታን ዓቕምታታን ኣብ ረብሓአን ከም ዝውዕል ንምግባር’ዩ ነይሩ።
ከምኡ’ውን ኣብ ስልጣን ዝነበራን ዘለዋን ኣፍሪቃውያን ስርዓታት ለውጢ ዘየምጽእ ሓደ ዝዓይነቱ ኣገባብ ኣሰራርሓ ስለ ዘዘውትራን መቐጸልታ መግዛእትን ሓድሽ መግዛእትን ብምዃነንን ጠንቂ ድሕረት ኣፍሪቃ ኮይነን’የን።  ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ግስጋሰን ምሉእ ናጽነትን ንምስፋን ዘገልግሉ ስነ ሓሳባት ይቕልቀሉ ነይሮም’ዮም።  ዝሑል ኵናት ምስ ተወደአ ግን እናቐሃሙ ከይዶም።  ኣፍሪቃ ዝሑል ኵናት ምስ ተዛዘመ ነቲ ዕድል’ቲ ክትጥቀመሉ ምተገብአ ነይሩ። በቲ ዝነበረ ፓለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት፡ ዓለም ክትጥቀመሉ ኣይከኣለትን።  ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ሓሊፉ፣ ኣፍሪቃ ዝረአ ቝጠባዊ ምዕባለ ዘይምምዝጋባ ዘገርም’ዩ። እዚ ዅነት’ዚ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓቂ ቝጠባ ኣሎዶ? ዝብል ሕቶ ከነልዕል ይድርኸና።  ብኣረኣእያይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ቍጠባ ዝበሃል የልቦን።  ኣብ ምዕራብ ኮነ ኣብ ምብራቕ፡ ኣብ ሰሜን ኮነ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ፡ ብቝጠባዊ መዳይ ክረኣ እንከሎ፡ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።  ስለዚ ብዛዕባ ልምዓትን ቍጠባዊ ምዕባለን ምዝራብ ትርጕም ዘሎዎ ኣይኮነን።  ኣብ ስልጣን ዘለዋ ስርዓታት ኣፍሪቃ’ውን ባዕላተን ዝምስክራኦ’የን። ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንክሊል ኣትያ ኣላ።  ኣብ ገለ ሃገራት ምርጫ ተኻዪዱ፣ ኣብ ካልእ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ተገይሩ ወዘተ …  ዝብል ዜና ብቐጻሊ ይስማዕ።

ብሓቂ ንምዝራብ፡ ኣፍሪቃ ገና ናጽነት ኣይጨበጠትን ኣላ።  ናጽነት ከም ስያመ መጺኡ’ምበር ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ስለ’ዚ ኣፍሪቃ ገና ኣብ መግዛእቲ’ያ ዘላ።  ናይ ሓድነትን ምምልላእን ኣልያ ወይ መካኒዝም ክትፈጥር ኣይከኣለትን። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣይጠቐመን።  ሓንቲ’ኳ ኣየፍረየን ብምባል እቲ ውድብ ከም ዝቕየር ተገይሩ።  ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተቐልቂሉ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ኣብ መበል ዓስራይ ዓመቱ ይኣቱ’ሎ፣ብዘይካ ስም ብዙሕ ኣየድመዐን። ኣብ ቍጠባውን ንግዳውን መዳያት ምትሕግጋዝ የልቦን። ወፍሪ ኾነ ትሕተ ቕርጺ ኣይሰጐመን። ኣብ ቅልውላው ኢና ንነብር ዘለና።  ዋዕላታትን ርክባትን ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ቀንዲ ዛዕባ ቕልውላው፡ ኣፈታትሓን ምክልኻልን ቅልውላውን’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ዘለኻዮ ምቛም እምበር ንቕድሚት ወይ ንድሕሪት ምስጓም የልቦን።  ብኣጠቓላሊ ኣፍሪቃ ኣካል ናይቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ፓለቲካዊ፡ ቍጠባውን ባህላውን ለውጢ ኣይኮነትን። ሓድሽ ወለዶ መጺኡ ነዚ ዝድለ ዘሎ ለውጢ የምጽእ ይኸውን። ኣብ ነፍስ ወከፍ ከባቢ እንተ ተዓዘብና፡ ነቲ ዅነታት መን ይቈጻጸሮ፡ መን’ዩኸ ተጠቃሚ እቲ ሃብቲ ዘሎ? እቲ ህዝቢ ካብቲ ዘሎ ጸጋታት ይጥቀምዶ? እቲ መልሲ ኣይፋሉን እዩ።  እቲ ጕዳይ ዕቱብ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ዩ።  ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዕቃበታትን ርእይቶታትን እኳ እንተ’ሎና፡ ኣብኡ ንዋሳእ ኣለና። ተስፋ ዝህብ ኣንፈት ክሳዕ ሕጂ ተሳኢኑ’ሎ። እንተኾነ ወድ ሰብ ተስፋ ቘሪጹ ክድቅስ ኣይግባእን።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ብመረበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ዝወጸ ሰነዳት ኣብ ዲፕሎማሲ ዝጥቀሙሉ ጥበብ ድርብ መለክዒታት ኣቃሊዑ ኣሎ። እዚ ድማ ብዕሊ ሓደ ነገር ምባል፡ ብሕቡእ ድማ ካልእ ኣንጻሩ ምግባር፡ ከም ዲፕሎማሲ ተባሂሉ ይግለጽ።   ነዚ ተርእዮ’ዚ ብኸመይ ትትንትኖ?

መልሲ፡- ዊኪሊክስ እንታይ ሓዲሽ ነገር ኣምጺኣ? ዊኪሊክስ ሓዲሽ ነገር ኣይፈጠረትን፣ ንሕና ድማ ካብ ዊኪሊክስ ሓዲሽ ነገር ኣይፈለጥናን። ዊኪሊክስ ዝረጋገጸቶ፡ ዲፕሎማሰኛ ምዃን፡ ኣብ ሓሶትን ምድንጋርን ልዑል ጥበብን ክእለትን ክህልወካ ከም ዘሎዎ’ዩ።
ንሰባት ኣደናጊርካ ጕዳያት እንተ ኣሳሊጥካ ዲፕሎማሰኛ ኢኻ ማለት`ዩ። ስለዚ ዊኪሊክስ ሓዲሽ ነገር ምሂዛ ዘይኮነስ፡ ዲፕሎማሲ ናይ ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ኣቃሊዓ። ዲፕሎማሲ ዝበሃል ምድንጋር ማለት`ዩ። እቶም ንዲፕሎማሲ ከም ሓደ ረቂቕ ጥበብ ወይ ሽግራት ንምፍታሕ ፍቱን ኣገባብ ዝወስዱዋ ዝነበሩ፡ ዊኪሊክስ ኣተሓሳስባኦም ቀዪራቶ።  ዲፕሎማሲ ብልሙድ መረዳእታ እንታይ ምዃኑ ክርደኦም ጀሚሩ። ስለዚ ዲፕሎማሲ በቲ ዝግባእ ሓቀኛ ትርጕም ክግለጽ ይግባእ።  ቅድሚ ሕጂ ሰብ ይገርሞ ነይሩ፣ ስለምንታይ ከምዚ ተገይሩ? ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ተወሲዱ? ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎ እናበሉ ሕቶታት የቕርቡ ነይሮም። እዚ ድማ ከም ትንቢት ወይ ምትንታን ዘይኮነስ፡ ካብቲ ዝረአ ዝነበረ ፍጻመታትን ምዕባለታትን ትምህርቲ ምቕሳም’ዩ ነይሩ።  ዓለም ኣብ ግጉይ መንገዲ ትኸይድ ከም ዘላ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ ባህርያዊ ነይሩ። በተን ንሕና ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ኢና በሃልቲ ዝግለጽ ዝነበረ ምድንጋር ምስ ግብረን ዘይቃዶ ተግባራት ኮይኑ ኽቃላዕ ጀሚሩ።  እቲ ሓቂ ዲፕሎማሲ ይኹን እቲ ምእንቲ ተግባራቶም ንምምኽናይ ወይ ገበናቶም ንምሽፋን ዝወሃብ መግለጺታት ሓሶት ከም ዝነበረ ተቓሊዑ ኣሎ።  ብዙሓት ሰባት ጥርጣረታትና ቅኑዕ’ዩ ነይሩ፣ ጕዳያት በቲ ዝበሃልን ዝደጋገምን ሓሶት ዘይኮነስ፡ በቲ ናይ ብሓቂ ስእሎም ከነንብቦ ይግባእ ክብሉ ጀሚሮም።  ንህዝብታት ሰፊሕ መረዳእታ ፈጢሩሎም። ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታት ዝተፈጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ገበናትን ነውራም ተግባራትን ብሰነዳት ናይቶም ገበነኛታት ታቓሊዑ ኣሎ። ስለዚ እቲ ዝበሃል ዝነበረ ሓሶትን ምድንጋራትን ምስቲ ኣብ ግብሪ ዝረአ ዝነበረ ተግባራት ዘይስማማዕ’ዩ።

ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝተለምደ ምድንጋራትን ሽጣራታትን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ከገልግል ኣይክእልን’ዩ።  ዲፕሎማሲ በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝለመድናዮ መረዳእታ ዘይኮነስ፡ ሓድሽ መረዳእታ ከም ዘሎዎ ኣበየ ከባቢኡ ዝነብር ህዝቢ ከስተውዕል ጀሚሩ።  በቲ ኻልእ ወገን ንሕና ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ስለ ዘለናን፡ ዘመነ ተክኖሎጂ ስለ ዝኾነን ብዙሕ ነገራት ብልምዲ ዝተቐበልናዮም ሎሚ ተቐዪሮም ኣለዉ። እቲ ዅናት ናይ መን ሚሳይላት ይውንን? መንከ ቢልዮናት ዶላራት ይውንን? ዘይኮነስ መን ሓበሬታ ይውንን? እቲ ሓበሬታኸ ብኸመይ ይትርጐምን ብኸመይ ይትንተን እዩ። ናይ ምውድዳር ዕድላት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ’ዩ ዘሎ፣ ምኽንያቱ ሕጂ ዘሎ ዅናት ናይ ሓንጎል ኵናት ስለ ዝኾነ።  ድኹማት ዝተባህሉ ነቶም ሓያላት ክወዳደሩ ይኽእሉ’ዮም።  ሓደ ሰብ ጥሙይ ክኸውን ይኽእል፣ ግን ከኣ ኣብ ካልእ ዘይርከብ በሊሕ ሓንጎል ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ናይ ሓንጎል ኵናት ስለ ዝኾነ፡ ነታ ዅናት ከኣትዋ ይኽእል። በዚ ድማ እቲ ዕድል ናይ ርኹባትን ሰብ ገንዘብን ቅልጽምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኵሉ ብማዕረ ዕድል ይረክብ። ሎሚ እቶም ዝያዳ ዝማሃሩ ምስ ኢሌክትሮኒካዊ ዅናት (ሳይበር ዎር) ዝላለዩ እቶም ሓንጎል ዘለዎም ጥራይ’ዮም። ሕሳብ ዝተማህረ ኸመይ ገይሩ ፕሮግራሚንግ ከም ዝገብር ዝፈለጠ፡ ናብ ሚስጢራዊ ሰነዳት ክሰሉኽ ይኽእል።  እቲ ዕድል ክፉት’ዩ ኣብ ቅድሚኡ።  ኵሉ ሰብ’ውን ከስተውዕል ጀሚሩ። ሚስጢራት ኣብ ሳጹን ወይ ኣብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ክሕባእ ኣይከኣልን’ዩ።  ብኣፍካ ገለ ተዛሪብካ ብግብሪ ግን ካልእ ኣንጻር ነገር ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን። ዓለም ከምቲ ዝለመድናዮ ስእሊ ኣይኮነትን ዘላ። ደቅ ሰብ ንጕዳያት ኣጸቢቖም ክርድእዎ ጀሚሮም፣ ብሓድሽ ኣገባብን ሓድሽ ሓንጎልን ድማ ክሓስቡ ጀሚሮም። ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብዝተፈልየ መንገዲ ክሓስቡን ተስፋታት ክገብሩን ይረኣዩ። ወድሰብ ሓድሽ ነገር ክፈልጥ ዝኽልክሎ ሓይሊ ወይ ሰራዊት የልቦን። ንፍልጠት ዝኾነ መከላኸሊ ወይ ሚሳይላት ኣይዓግቶን’ዩ።

መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ኵሉ ብዛዕባ ፋይናንስያዊ ቅልውላውን ባንክታትን ዘሎዋ ሓበሬታ እንተ ዘርጊሓ እንታይ ክመጽእ ይኽእል?  ምስጢራት ናይተን ዓበይትን ገበትን ኣህጉራውያን ኩባንያታት ክቃላዕ ይኽእል። ንናይ ካልኦት ሃብቲ ብኸመይ ከም ዝቈጻጸራ ዘቃልዕ ሰነዳት እንተ ወጸኸ?  እዚ ብዙሕ ቁም ነገር ኣሎዎ። ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ብድሕሪ ሕጂ ግዳይ ንኸይኮኑ ትምህርቲ ምተቐስመ ነይሩ። ክሳዕ ሕጂ ከም በዓል በርናርድ ማዶቭ ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት፡ ከመይ ገይሮም ብምድንጋርን ሓሶትን ብገንዘብ ሰብ ይጻወቱ ከም ዝነበሩ ተቓሊዑ ኣሎ።  ካልእ ከይመጽእ ተቐላጢፎም ንዊኪሊክስ ይኹን ንጁልያን ኣሳንጅን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉን ከጥፍኡ ፈተነታት ክገብሩ እዮም።  እቲ ጸገም ግን ብዙሓት ጁልያን ኣሳንጅ ኣለዉ፣ ኣሽሓት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጁልያን ኣሳንጅ ሓንጎሎም ኣስሪሖም ንደቂ ኣዳም ዘገልግሉ ሰባት ክመጽኡ ይኽእሉ። ምናልባት ክሳዕ ሕጂ ንፍልጠትን ንሳይንስን ንግዚኡ ሓሰውትን ኣደናገርትን ክጥቀሙሉ ጸኒሖም ይኾኑ፡ ሕጂ ግን እቲ ዅነታት ተቐዪሩ’ዩ።  ናብታ ቀዳመይቲ ነጥቢ ክምለስ፡  ዊኪሊክስ ሓድሽ ዝተማህዘ ነገር ኣይኮነን ኣምጺኣ፣ ንዓና ዘገረመና ነገር’ውን ኣይነበረን። ምናልባት ኣብዚ ክጥቀስ ዝከኣል ብኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዝለኣኽ ዝነበረ ደብዳበታትን ትሕዝቶኡን ዝምልከት ሰነዳት’ዩ።  ገለ ወገናት ነዚ ዘይንፈልጦ ዝነበርና ይመስሎም ይኸውን። ኣነ እንተ ተሓቲተ ግን ንዓይ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን።  እቲ ብሕቡእን ስቱርን ዝበሃል ዝነበረ ንዓና ኣይተሰወረናን። እዚ ሰነዳት’ዚ ንውዲታትን ኣብ ጸቢብ ኩርናዕ ንኸእትዉና ዝረኣ ዝነበረ ፍጻመታትን ናይ ኣመሪካ ኣጀንዳን ዘቃልዕ’ዩ። ዊኪሊክስ ንዘንብብ ሰብ፡ ኵሉ ዝርዝራት ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ንምጥቅላል ኣብዚ ግዜ ዲፕሎማስን ፖለቲካን ካልእ ቅጽላትን ብግብሪ ትርጕም ዘለወን ዝመስሎ ሰብ እንተ’ሎ ተጋጊዩ ኣሎ።  ኣነ ብውልቀይ ነዛ ፖለቲካ እትበሃል ቃል ከይጥቀም ኣብ ምጥርጣር ኣትየ፣  ምኽንያቱ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ከም ናይ ሓሶትን ምድናጋርን ጥበብ’የ ዝወስደን።  ስለዚ’ዩ ድማ ብግልጺ ርእይቶና ክንገልጽ እንከለና፡ ንስኻትኩም ዓሻታት ኢኹም ዝብሉና። ንሓደ ሰብ ኮፍ ኣቢልካ፡ እዚ እቲ ሓቂ’ዩ፣ እዚ ድማ ግጉይ’ዩ ። እዚ ይከኣል’ዩ፣ እዚ ከኣ ዘይከኣል’ዩ፡ እናበልካ ክግለጸሉ ይግባእ። ንስኹም ጌና ኣብ ግዜ ሰውራ፡ ብሓንጎል ናይ ገድሊ ኢኹም ትሓሰቡ ዘለኹም ይብሉኻ፣ ኣነ ግን ዝያዳ ብጋህዲ ክዛረብ፡ ሓደ ሓደ መትከላትን ክብርታትን ዘይቕየር’ዩ።

ጸሊም ሕብሪ ዅሉ ግዜ ጸሊም’ዩ፣ ጸዕዳ ድማ ጻዕዳ ኮይኑ ኽተርፍ’ዩ፣ ብስም ፖለቲካን ዲፕሎማስን ነዚ ሕብርታት ምቕያር ኣይከኣልን’ዩ።  እዚ ብዊኪሊክስ ዝተቓለዐ ሰነዳት ከኣ ነቶም ክብሪ ዘሎዎም ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ንቑሓት ህዝብታት ብዙሕ ጥቕምታት ኣሎዎ። ብዊኪሊክስ ዝወጽእ ሓበሬታ ጽቡቕ ጌርና ከነንብቦን ክንርድኦን የድሊ፣ ኣብ ብዙሕ ጕዳያት ከአ ክጠቕመና’ዩ።  እዚ ምዕባለ`ዚ ንረብሓናን ረብሓ ዝተዓመጹ ህዝቢታት’ዩ መጺኡ። ኣዎንታዊ ተርእዮ’ዩ።  ስለዚ’ዩ ድማ ሰብ ፍሉይ ረብሓን ገበትቲ ሓይልታትን ሰንቢዶም ኣብ ሻቕሎት ዝኣተዉ።  ዊኪሊክስ ምስ ኣንበብካ ብዘይምግናን እዚ ምዕባለ’ዚ ቅድሚ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ክመጽእ ይግባእ ነይሩ ትብል።  ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተክኖሎጂ ሽዑ ግዜ ነዚ ናይ ሕጂ ደረጃ ምዕባለ ኣይበጸሕን ነይሩ፣ ሎሚ እዚ ምዕባለ’ዚ ንህዝብታትን ሃገራትን ናብ መጻኢ ንኽጥምቱ ሓዲሽ መስኮት ከፊቱ’ሎ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ድሕሪ ምውዳቕ ሕብረት ሶቬትን ናይ ኣመሪካ ምድያብን ምንቁልቃልን፣ ኣብ እስያን ላቲን ኣመሪካን ሓደስቲ ሓይልታት ክቕልቀሉን ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ተርእዮ’ዚ ንዓለም ከም ብብርቱዕ ማዕበል እትጽፋዕ ዘላ መርከብ ኣምሲልዋ’ሎ፣ እዛ ከም’ዛ ዝተገልጸት መርከብ ዝተመሰለት ዓለም ኣበየነይቲ ወደብ’ያ ክትጽጋዕ?

መልሲ፡- ግዜ ንድሕሪት ክምለስ ኣይክእልን`ዩ። በዛዕባ’ዚ ኣርእስት’ዚ ትንታነታት ክህሉ ይኽእል።  ኣነ ኣብ ትንታነታትን ትንቢታትን ክኣቱ ኣይደልን’የ። ብሓጺሩ ክብሎ ዝደሊ ግን ንሕና ኣብ መጀመርታ ውድቀት ኢምበራጦርያ ኣመሪካ  ኢና ዘለና። እዚ ናይ ዲማጎጂን ናይ ስምዒትን ዘረባ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ቝጠባዊ፡ ልምዓታውን ተክኖሎጅያውን ለውጢታት ብግቡእ ምንባብን ምትንታንን’ዩ። ኣመሪካ በቲ ዘርኣየቶ ኢንዳስትርያዊ ምዕባለ፡ ተክኖሎጅያዊ ግስጋሰን ምህዞታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድታት ዝገብረቶ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምን ከም ርእሰ-ሓያላን ተቐልቂላ። ሕብረት ሶቬት ድማ ብሰንኪ ሓደ ሓደ ታሪኻዊ ፍጻመታትን ከምኡ’ውን ካልኦት ሕጂ ኣብ ዝርዝራቶም ክኣቱ ዘይደለኹ ረቛሒታትን ወዲቓ።  ብዙሓት ሰባት ምውዳቕ ሕብረት ሶቬት ንረብሓ ኣመሪካ’ዩ ብምባል ኣብ መደምደምታ በጺሖም። እቲ ሓቂ ግን በንጻሩ`ዩ። ምውዳቕ ሕብረት ሶቬት ንድኻማት ርእሰ-ሓያል ኣመሪካ ከቃልዕ መጺኡ። ግዜ ምስ ከደ ከኣ እቲ ታሪኻዊ ለውጢ መጺኡ። ኢንዳስትሪ ናብ ካልእ ቦታት ክሰግር ጀሚሩ፣ ዓለም ከም ልሙድ ዘይኮነ እና ተቐየረት መጺኣ። ቻይና ኢንዳስትርያዊት ሃገር ኮይና፣ ብዕቤት ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ዝሕዝ ቍጠባ ክትውንን በቒዓ። ህንዲ’ውን ብዝሒ ህዝባ ብዘየገድስ፡ ቅልጡፍ ልምዓታዊ ምዕባለ ተርኢ ስለ ዘላ፡ ከም ሓንቲ ካብተን ብቝጠባ ዝሓየላ ሃገራት ኮይና ክትቅልቀል ጀሚራ። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ዘመን፡ ማለት ድሕሪ ኻልኣይ ኵናት ዓለም ብፍሉጥ ምኽንያታት ጃፓን ከም ቍጠባዊ ሓይሊ ተቐልቂላ፣ ኣብ ቍጠባ ዓለም ዘሎዋ ተራ ግን ከም ቀደሙ ኣይክቕጽልን’ዩ። ኤውሮጳ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ኣብ ቍጠባ ዓለም ኣይክትህሉን’ያ። እዚ ማለት ኤውሮጳ ክትወድቕ’ያ ዘይኮነስ ካብቲ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዝረኣናዮ ዝተፈልየ ዳይናሚካዊ ለውጥታት ክመጽእ’ዩ። ኣብ ግዜ ዝሑል ኵናት ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝነበረ ድኻማት ተሸፊኑን ተኸዊሉን ጸኒሑ። ሕጂ ግን ኵሉ ነገራት ተጋሂዱ። ኣመሪካ ከም እንኮ ርእሰ-ሓያላን ኮይና ክትቅጽል ንቻይናን ህንድን ካልኦት ሃገራትን ቍጠባአን ከየማዕብላ ብምኽልካል ኵሉ’ቲ ትውንኖ ዝጸንሐት ኢንዳስትርያዊ ክእለት እንደገና ክትመልሶ ትኽእል ድያ? ምስቲ ሕጂ ዝረአ ቝጠባዊ ለውጢታት ናይ ፖላሪዝም ስነ ሓሳብ ክህሉ ድዩ? ኣነ ናይ መጻኢት ዓለም ዝረኣየኒ ስእልን ምልክታትን ንጹር ኮይኑ ኣሎ።

ታሪኽ ድማ ብድልየት ኣመሪካ ይኹን ብድልየት ኤውሮጳ ንድሕሪት ክምለስ ኣይክእልን’ዩ። ሓደስቲ ሕግታትን ሓደስቲ ተዋሳእቲ ሓይልታት ይቕልቀሉ ኣለዉ። እዘን ሕጂ ዝቕልቀላ ዘለዋ ሓይልታት ናተን ተራን ጽልዋን ድሕሪ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ዓመታት ኣጸቢቑ ክረአ’ዩ። እዚ’ዩ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ምዕባለ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ቝጠባ ክንብል እንከለና፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ፍርያምነት፡ ምክፍፋልን ምህላኽን ቍጠባ’ዩ። እዘን ዝሓለፋ 100 ዓመታት ወይ ድሕሪ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝማዕበላ ሃገራት ምዕራብ ቍጠባአን ኣብ ናይ ምጽንጻን ወይ ስፐክዩለሽን ዝተሃንጸ እዩ። ኣነ ናይ ካዚኖ ቝጠባ ወይ ናይ ዓፍራ ቝጠባ’የ ዝብሎ። እዘን ዘየፍርያ ትካላት፡ ብፋይናንስያዊ ወረቃቕቲ እናተጻወታ ክኸዳ ጸኒሐን። እቲ ዝነበረ ዓለማዊ ስርዓትን ዝሑል ኵናትን ነቲ ዝነበረ ድኻማት ስለ ዝሸፈነለን ንቝጠባ ዓለም ክቈጻጸራ ዕድል ረኺበን። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዓፍራ ዓፍራ ምዃኑ ስለ ዘይተርፍ እቲ ሓቂ ተጋሂዱ። እዘን ትካላት እዚአን ኣፍረይቲ ስለ ዘይኮና ክቕጽላ ኣይክእላን’የን። ከም በዓል ፎርድ ወይ ክራይስለር ወይ ጂ ኤም ዘኣመሰላ ኣይክህልዋ’የን። ምኽንያቱ ምስናዕ ስለ ዘየልቦ። ምናልባት ጀርመና ኣብ ናይ ምስናዕ ንጥፈታት ትቕጽል ትኸውን፡ ኣመሪካ’ውን ካብዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ኣካይዳ ተማሂራ ኣብ ቍጠባኣ ምምሕዳራዊ ለውጥታት ብምግባር፡ ናብቲ ቐንዲ መትከላት ናይ ምህናጽ ቍጠባ ትምለስ ትኸውን። ኣመሪካ ግን ንቻይና ይኹን ንህንዲ ከይምዕብላ ክትዓግተን ኣይትኽእልን’ያ። ኤውሮጳ’ውን ኣካይዳኣ ክትቕይር ምስቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ለውጥታት ክትወሃሃድ እንተ ደልያ ኣመሪካ ክትዕንቅፋ ኣይትኽእልን’ያ።  ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ እዚ መጀመርታ መስርሕ ምውዳቕ ናይተን ኣብ ግዜ ዝሑል ኵናት ዓብሊለን ዝነበራ ኢምበራጦርያታት እዩ።

ሓደ ፖላር ወይ ሓደ ርእሰ-ሓያላን ጥራይ ክህሉ’ዩ ዝብል ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ከም በዓል ፎኮያማን ሃንቶንግ ቶንግንን ካልኦት ዝጕስጕሱሉ ዝነበረ ሰነ-ሓሳብ ኣብቂዑ እዩ። ንሳቶም ዝብልዎ ዝነበርሩ፡ ድሕሪ ምውዳቕ ሕብረት ሶቬት ኣመሪካ ንበይና ዓለም ክትቈጻጸር’ያ፡ ኣብ መበል 21 ከፍለ ዘመን ንሓምሳ ዓመት ዝኸውን ንኣመሪካ ዝወዳደር ሓይሊ ኣይክህሉ`ዩ ይብሉ ነይሮም። እዚ ዘረባ እዚ ትማሊ ትማሊ ንሰምዖ ዝነበርና ንዕኡ ብዝምልከት መጻሕፍቲ ተሓቲሙ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ፖሊሲታን ውጥናትን ተሓንጺጹ ክስረሓሉ ጀሚሩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ዅነታት ግን ካልእ’ዩ። እዚ ኣተሓስሳባ እዚ ግብራዊ ዘይኮነስ ከም ሕልሚ ኣብ ሓንጎል ናይቶም ዓለም ዝወነኑ ዝመስሎም ውልቀሰባት ዘናውጽ ዝነበረ ሓሳባት እዩ። ሎሚ ንሕና ኣብ ሓድሽ ታሪኻዊ መድረኽ ኢና ንኣቱ ዘለና። ንጕዳያት ብውድዓውነት ከነንብቦ ይግባእ። እቲ ንዕዘቦ ዘለና ምልክታት፡ ዓለም ከምቲ ዝለመድናዮ ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመት ኵነታት ዘይኮነስ ናብ ሓድሽ መድረኽ ዝሰግር ናይ ሕርሲ ምልክታት ተርኢ ኣላ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዜደንት ኣብ መወዳእታ ካብዚ ክንርደኦ እንኽእል ከም ርእሰማልነትን ማሕበርነትን ዘኣመሰላ ስነ-ሓሳባት መደረኽን ተወዲኡ ኣብ ናይ ሃማኖታትን ስልጣነታትን ግጭት ኣቲና ዲና ዘለና? ወይስ ከመይ`ዩ?

መልሲ፡-  እንሓንሳእ ኣብ ውሽጢ ስነ-ሓሳብ ኣቲኻ ክትዛረብ እንከሎኻ  ንጕዳያት ብኽፉት ሓንጎል ክትምርምሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ብዛዕባ ርእሰማልነት ወይ ማሕበርነት ምዝራብ ኣድላዪ ኮይኑ ኣይስመዓንን። በዘን ፍሉጣት ስነ-ሓሳባት ዘረባ እንተ ጀሚርና ሓንጎልና ምሉእ ብምሉእ ክፉት ኣይከውንን`ዩ። እዚ ማሕበርነት ወይ ገስጋሲ ስነ- ሓሳብ ዝበሃል እንተ ረአና፡ ካብ ጥንቲ ጀሚርካ ኣብ ባህርያዊ ሕግታት ዝተጠቓለለ’ዩ። ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ኣስተውዒልና፡ ሕብረተ ሰባት ካብ ጫካታት ወጺኦም፡ ኣብ ዝተወሰነ ቦታታት ክነብሩ ምስ ጀመሩ፡ ነዞም ሕብረተ ሰባት ዝቈጻጸር ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ሕግታት ክቕልቀል ጀሚሩ። ኣብዚ ሕግታት’ዚ ምርኵስ ብምግባር፡ ውሑዳን ንብዙሃን ክቈጻጸሩ ኣይክእሉን’ዮም፣ እዚ ባህርያዊ ሕጊ እዩ።  ቍጠባ ከኣ ኣብ ፍርያምነት፡ ምክፍፋልን ምህላኽን እዩ ዝምስረት። እዚ ዘይቅየር ባህርያዊ ሕጊ እዩ። ካልእ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝበሃል ነገር ኣሎ።

ሓደ ስነ-ሓሳብ ወይ ገስጋሲ ሓሳብ ነዚ ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ
ክብር’ዚ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ እንተ ዘይከኣለ ኣብቲ ዘሎ ሕብረተ ሰብ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገር ወይ ኣብ ከባቢ ወይ’ውን ኣብ ዓለም ርግኣትን ሰላምን ኣይህሉን’ዩ። እቲ ዅሉ ዝለዓል ግጭት፡ ሓደ ንኡስ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዙሃን ኮይኑ ንዝኾነ ነገር ክቈጻጸር እንከሎ’ዩ ዝመጽእ።  ምኽንያቱ ባህርያዊ ሕጊ ኣይፈቕደሉን`ዩ።  ነዚ ማሕበርነት በሎ ወይ ካልእ ስም ሃቦ። ምናልባት ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዝምልከት ጥቕሲ ክህሉ ይኽእል’ዩ፣ ናተይ ፍልጠት ውሱን ስለ ዝኾነ ግን ኣይዝክሮን`የ። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ መሰረታዊ ሕጊ እዩ። ምናልባት ሓደ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዘየኸብር ስነ-ሓሳብ ወይ ፖለቲካዊ ስርዓት ከመጽእ ይኽእል’ዩ፣ ንውሱን ግዜ ክዕብልል ይኽእል`ዩ። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክቕጽልን ተቐባልነት ክረክብን ግን ዓቕሚ የብሉን። ብሓጺሩ ባህሪ ናቱ ሕግታት ኣሎዎ። ናይ ወድ ሰብ ባህሪ ከኣ ናቱ ኽብርታት ኣሎዎ። ካብዚ ሕግታትን ክብርታትን ወጺኡ ኣብ ክንድኦም ናቱ ሕግታት ዘምጸአ ንውሱን ግዜ’ምበር ቀጻልነት የብሉን። ካብዚ ብምብጋስ፡ ርእሰ-ማልነት ውሱን ዕድመ’ዩ ዘሎዎ። በዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ከኣ፡ ርእሰ-ማልነት ናይ ካዚኖን ግምታትን ቁማርን ቍጠባ ማለት`ዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ርእሰ-ማልነት ኣብ ውሱን ግዜ ምናልባት ናቱ ሕግታት፡ ክብርን ፍሉይነትን ነይሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ማሕበራዊ ፍትሒ መሰረት ስለ ዝኾነ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግግጽ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህላው ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

ክቡር ፕረዜደንት፡ ኣብ መደምደማታ ናይዚ ኣብ መመረቕታ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ ፣ ነዚ ቃለ መጠየቕ ክነካይድ ፋቃደኛ ምዃንካ ንምስግነካ ።

መልሲ፡-  ብወገነይ ድማ ንመርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ ከመስግን እፈቱ።  እቲ ዝቐረበ ሕቶታትን ዝተላዕለ ኣርእስታትን ኣገዳስን እዋናውን’ዩ።  ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት፡ ሓሳባት ንምልውዋጥን ምዝርጋሕን መድረኽን መሳለጥን ንክኸውን ተስፋ እገብር፣ ዓወትን ኣሳልጦን ድማ እምነየሉ።

965
-