Part III Interview with President Isaias Afwerki ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሳልሳይ ክፋል

PIA5

ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ሳልሳይ ክፋል

መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ፡ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ቓለ መጠይቕ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሳልሳይ ክፋል’ቲ ቓለ መጠይቕ፡ ብዛዕባ ኣብ ገማግም ሶማል ዝተኸስተ ቐርስና፡ ውሽጣውን ግዳማውን ሳዕቤናቱን መፍትሒኡን ኣብሪሁ።  ሓደሓደ ወገናት ንዅነታት ሶማል ብምምዝማዝ፡ ንማያዊ ገማግማ ኢንዳስትርያዊ ሓተላ ይጕሕፍሉ ምህላዎም’ውን ገሊጹ።  ትካላት መድሕን ንተርእዮ ቐርሰና ምኽኒት ብምግባር ንመኻዕበቲ ኣታዊታተን ከም ዝጥቀማሉ፡ ዓበይቲ ሃገራት ቀርሰና ንምግታእ ብዝብል ጕልባብ ኣብ ገማግም ሶማል፡ ወሽመጥ ዓደንን ደቡባዊ ቐይሕ ባሕርን መራኽብ ኵናት ኣዋፊረን ምህላወን ሓቢሩ።  ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ሃገራት ምንጭን ማዕልቦን ፈለግ ኒል ዝተቐልቀለ ምስሕሓባት ብምትዃር፡ ንሃገራት ኒል ኮነ ንኻልኦት ሃገራት ዝኸውን እኹል ሃብቲ ማይ ምህላዉ፡ እንተኾነ እቲ ጕዳይ ምስ ፓለቲካዊ ጕዳያት ተኣሳሲሩ ኣብ ዘየድሊ ምፍሕፋሕ ከም ዘምረሐ ጠቒሱ።  ኤርትራ ምስ ሃገራት ኣዕራብን እስራኤልን ዘሎዋ ርክብ ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን ኣብ ኪዳን ከም ዘይትኣቱ ኣገንዚቡ።  ንጕዳይ ዘተ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ኣመልኪቱ’ውን ኤርትራ ስምምዕ ኦስሎ ካብ ዝተኸተመሉ እዋን ኣትሒዛ ኣብቲ ስምምዕ ዕቃበታት ከም ዝነበራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት በብእዋኑ ዝፍተን ዘተ ሰላም ኣዎንታዊ ውጽኢት ንኽርከቦ ትጽቢት ከም ዘይግበረሉ ሓቢሩ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ደቡባዊ ቐይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደን፡ ገማግም ሶማልን ህንዳዊ ውቅያኖስን ቀርሰና ይካየድ ኣሎ። ነዚ ተግባር’ዚ ብኸመይ ትርእዮ?  ብኸመይከ’ዩ ኽፍታሕ?

መልሲ፡- እዚ ተርእዮ’ዚ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሶማልን ኣብ መላእ ከባቢናን ዘሎ ዘይምርግጋእ’ዩ።  ሶማላውያን ከኣ ግዳይ ናይ ዞባውን ኣህጉራውን ኣጀንዳን ምትእትታዋትን ኮይኖም።  ኣብ ሶማል መንግስትን መንግስታዊ ትካላትን ስለ ዘየልቦ፡ ክብረት ዘሎዎን ሂወት ዘውሕስን፡ ርግኣትን ቅሳነትን የልቦን።  ሶማላውያን ድማ ናብ ካልእ ኣማራጺታት ንኸማዕድዉ ተገዲዶም። ኣብ ሶማል ባዶነት ብምህላዉ፡ ንረብሓታትን ሃብትን ሶማላውያን ዝከላኸል ዓቕሚ የልቦን፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ሃብቲ ዓሳ እታ ሃገር ኣብ ጥቕሚ ሓይልታት ወጻኢ ይውዕል ኣሎ።  ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ሶማላውያን ኣደዳ ጥሜት፡ ሕማማት፡ ሽቕለተ ኣልቦነትን ስደትን ኮይኖም።  ኣብ ከምዚ ዝኣመአለ ዅነታት ሕግታት ንክኽበሩ ዝሕግዝ ሃውህው ብዘይምህላዉ ድማ ሶማላውያን መንእሰያት ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንኽወድቁ ተደሪኾም።  ባህርያዊ ዅነታት ኣብ ዝስኣነሉ እዋን፡ መንፈስ ተስፋ ምቝራጽ እናዛየደ ይኸይድ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ናይ ምውዳቕ ተኽእሎ ከኣ ይልዕል።  ስለ’ዚ ቐርሰና ሶማላውያን ተጠቀምቲ ሃብቲ ባሕሮም ክኾኑ ብዘይምኽኣሎም ዝተቐልቀለ ተርእዮ እዩ።  ገማግም ባሕሪ ሶማል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽእ ኢንዳስትርያዊ ሓተላ ዝጐሓፈሉ ቦታ ኾይኑ’ሎ።  እዚ ፍጻመ’ዚ ልሙድ ተርእዮ ኾይኑ ምህላዉ ዝእመን ሓበሬታ’ሎ። ሶማላውያን ተጠቀምቲ ሃብቶም ክኾኑ ብዘይምኽኣሎምን ኢንዳስትርያዊ ሓተላ ኣብ ገማግም ማያት ሶማል ይጐሓፍ ብምህላውን ቀንዲ ምኽንያታት ቀርሰና’ዮም ማለት ኣይኮነን፣ እቲ ቐንዲ መንቀሊ ቐርሰና ኣብ ሶማል መንግስትን መንግስታዊ ትካላትን ስለ ዘየሎ’ዩ።

ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ሶማላውያን እዩ ዘሎ፣ ሶማላውያን ጥራይ ከኣዮም ነዚ ጕዳይ’ዚ ዝፈትሕዎ።  ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝተላእካ ዓበይቲ መራኽብ ኵናትን ዝተራቐቐ ተክኖሎጅን ኣየድልን።  እዚ ዝተጠቕሰ መሳርሒታት ንተርእዮ ቐርሰና ከጥፍእ ኣይከኣለን። በንጻሩ እቲ ዅነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ይኽይድ ኣሎ።  ብወገንና እቲ መሰረታዊ ፍታሕ፡ ሶማል ከም መጠን ሉኣላዊት ሃገር ሓድነታ ተሓልዩ ሕጋዊ መንግስቲ ቆይሙ፡ ኣድማዒ መንግስታዊ ትካላት ምስ ዝምስረት ምዃኑ ንኣምን።  ኣብ ግዜ ዝሑል ኵናት፡ ማለት ቅድሚ ስርዓት ስያድ ባረ ምውዳቑ፡ ሶማል ወተሃደራዊ ትካላት፡ ሓይሊ ባሕርን ዓቕሚ ምክልኻልን ነይሩዋ።  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከምኡ ዝአመሰለ ስርዓትን መንግስታዊ ትካላትን እንተ ዝነብር ተርእዮ ቐርሰና ኣይመጋጠመን።  ሶማል ርግኣትን ሰላምን እንተ ዝሰፍና፡ ዕድላት ስራሕ ምነበረ፡ ሶማላውያን ናብ ስደት ከምርሑ ኣይምተገደዱን ነይሮም። ኣህጉራውያን ኩባንያታት ካብ ቀርሰና ብተዘዋዋሪ መንገዲ ይረብሓ እየን።  ብገማግም ሶማል ዝሓልፋ ንብረት ዝጽዕና መራኽብ፡ እቲ ኸባቢ ጸጥታኡ ዘየተኣማምን ብምዃኑ ልዑል ክፍሊት መድሕን ከም ዝኸፍላ ይግበር።  ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ ድሕነት መራኸብ ንግዲ ንምውሓስ ብዝብል ምኽኒት ከም ብላክዎተር ዝኣመሰላ ብብሕቲ ዝነጥፋ ትካላት ሓይሊ ጸጥታ ኣለዋ።  ኩባንያታት መድሕን’ውን ልዑል መጠን መኽሰብ ክሓፍሳ ጀሚረን።  ንኣብ ቀርሰና ዝተዋፈሩ መራኽብ ዝጨውዩ ውልቀሰባት ካሕሳ ዝኽፈሎም እንተደኣ ኾይኑ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ ተግባራት ንኽፍጽሙ ዘተባብዕ’ዩ።  ቀርሰና ንኽቕጽል ዝደፋፍኡ ብዙሓት ወገናት ኣለዉ፣ እቶም ዝያዳ ዝረብሑ ከአ ዘይሶማላውያን እዮም። ተርእዮ ቐርሰና ክፍታሕ ዝኽእል፡ ኣብ ሶማል ርግኣት ምስ ዝሰፍንን ሶማላውያን ጕዳዮም ባዕሎም ንኽፈትሑ ዕድል ምስ ዝወሃቦምን፡ ሕጋዊ መንግስትን መንግስታዊ ትካልን ምስ ዝቐውምን እዩ።  ኣብቲ ከባቢ ዓበይቲ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ጀርመን ወዘተ… ምውፋር ዘምጽኦ ውጽኢት የልቦን።  ኤርትራ ንቐርሰና ካብቲ ኣብ ሶማል ዘሎ ፓለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት ነጺላ ኣይትርእዮን እያ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት ካብ’ዚ ጕዳይ’ዚ ከይወጻእና፡ ዓበይትን ማእከሎትን ሃገራት ሰላምን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ውሕስነቱ ዘተኣማምን ክኸውን ይግባእ ብምባል ላዕልን ታሕትን ክብላ እንከለዋ፡ ሃገራት እቲ ከባቢ ግን እጃመን ከየበርከታ ኣማዕድየን ይዕዘባ ኣለዋ።  ኤርትራ ነዚ ተኣፋፊ ጕዳይ’ዚ ብኸመይ ትሕዞ’ላ።

መልሲ፡- ኤርትራ ንምትእትታው ወጻኢ ኣይትቕበሎን’ያ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእትታዋት ዘይምቕባላ ድማ ብስምዒትን ፓለቲካዊ ምኽንያታትን ኣይኮነን።  ሃገራት እቲ ኸባቢ፡ ጕዳያተን ንኽፈትሓ ናጻ እንተ ኾይነን፡ ዓቕምታተን ኣወሃሂደን ብግብራውን ተክኒካውን መዳያት ነቲ ሽግር ክፈትሓኣ ይኽእላ እየን።  ናይ ጸጥታ ሽግር እንተ’ሎ ዝተራቐቐ ተክኖሎጅን ዓበይቲ መራኽብ ኵናትን ናብ’ቲ ኸባቢ ብምጕራት ንምፍትሑ ኣይመድለየን።  ሃገራት እቲ ኸባቢ ንሓድሕደን ብምትሕግጋዝ፡ ሓገዝ ወጻኢ ከይሓተታ ብዓቕመን ክፈትሓኦ ምኸኣላ።  እቶም ኣብ ተግባራት ቀርሰና ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ብፋይበር ግላስ ዝተሰርሓ ጀላቡ እዮም ዘንሳፍፉ፣ መዳፍዕ ኮነ ካልእ ከበድቲ ኣጽዋር የብሎምን።  ፈኰስቲ ብረት ክዓጥቁ ይኽእሉ፣ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራቶም ዝገትእ ሓይሊ ስለ ዘየልቦ፡ እቲ ፈኰስቲ ብረት ከድምዕ ይኽእል።  ማያዊ ስፍሓት ገማግም ሶማል ምስ መቐጸልታኡ ዝኾነ ህንዳዊ ውቅያኖስ ተደሚሩ፡ መራኽብ ኵናት ብልዑል መጠን ብዝሒ እንተ ተዋፈራ’ውን ንምቍጽጻሩ ዘጸግም’ዩ።  ብወተሃደራውን ተክኒካውን ምኽንያታት ኣብቲ ኸባቢ ተጓሪቱ ዘሎ ኣጽዋርን መራኽብ ኵናትን ሽግር ቀርሰና ንኽፈትሕ እንጽበዮ ኣይኮነን።  ንሶማላውያን ዕድል እንተ ተዋሂቡ፡ ምስተን ኣብ ከባቢ ቐይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደን ዘለዋ ሃገራት ብምድግጋፍ፡ ንሽግራት ቀርሰና ምፍታሕ ምተኻእለ። እዚ ግን ምስቶም ኣብ ቀርሰና ረብሓ ዘሎዎም ወገናት ዝቃዶ ኣይኮነን።  ንቐርሰና ምኽኒት ገይረን ኣጀንዳታተን ኣብዚ ኸባቢ ከተግብራ ዝደልያ ሓይልታት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምትሕግጋዝ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድሌት የብለንን።  ዝምልከተን ሃገራት ንምድግጋፍ ፈተነ ኣብ ዝገብራሉ እዋን፡ በተን ኣብ ምጕህሃር ቅልውላው ረብሓ ዘለወንን ኣብ ማያት ከባቢና መራኽብ ኵናት ኣዋፊረን ዘለዋን ሓይልታት ይብደሃ። ኣብ’ዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ማያዊ መስመር ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ንክቕጽል ጥቕሚ ዘሎወን ሓይልታት ከም ዘለዋ ክፍለጥ ይግባእ።  እዘን ሓይልታት እዚኣተን ኵናት ኣንጻር ግብረ ሽበራን ቀርሰናን ብምክያድ ዘተኣማምን ሃዋህው ክንፈጥር ኢና ብምባል ዘጕባዕብዓ እየን።  እዚ መግለጽታት እዚ ብደገ ክስማዕ እንከሎ ሰናይ ዘረባ ይመስል፣ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። እዚ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን መግለጽታት፡ ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ ከባቢና ቅልውላውን ሽግርን ከም ዝቕልቀል ብምግባር ነቲ ቕልውላው ንምምሕዳር እዩ።  እዚ መግለጽታት እዚ ንኸባቢ ቐርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝምልከት ዝተወጠነ ሕቡእ ኣጀንዳ ንምሽፋን ዝቐርብ’ዩ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት ኣብ መንጎ ሃገራት ምንጪ ፈለግ ኒልን፡ እቲ ፈለግ ዝሓልፈለን ሃገራትን ዝቕልቀል ምስሕሓባት ኣሎ።  መበገሲ እዚ ምስሕሓባት’ዚ እንታዩ? ኤርትራኸ ብኸመይ ትርእዮ?

መልሲ፡– ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኸባቢ ዓሰርተ ሃገራት ኣለዋ። ንሕና ኣብቲ ምትእኽኻብ ከንኣቱ ኣይደለናን። ብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ከም ተዓዛቢ ኣባል ክንኸውን መሪጽና። እዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ጕዳያት ፖለቲካዊ መልኽዕ ሒዙ ኣሎ። እቲ ዕላማ ኸኣ ኣብ መንጎ ሃገራት ምንጭን መዕለብን ቅልውላው ንምፍጣር’ዩ። ኣብ መንጎ ምስርን ሱዳንን ይኹን እተን ሃገራት ምንጪ ኢና በሃልትን ውዲት ብምእላም፡ ረብሓ ዅሎም ወገናት ዘውሕስ ስምምዕ ምእንቲ ከይብጻሕ`ዩ እቲ ዝድለ ዘሎ።  እቲ ብስም ጕዳይ ማይ ኒል ተባሂሉ ዝለዓል ዘሎ ኣርእስቲ፡ መሸፈኒ ናይ ካልእ ኣጀንዳ ኮይኑ፡ ጸቕጢ ብምግባር ኣብ መንጎ ሃገራት ኒል ዘይምቅዳው ንምፍጣር`ዩ። እቲ ዘሎ ዓቕምታት ማይ እንተ ተዓዘብና፡ ዳርጋ ዅለን ሃገራት ከምቲ ዝድለ ኣይተጠቕማሉን ምባል ይከኣል።  ብፖለቲካዊ መዳይ ዘይኮነ ብተክኒካዊ ወገን ክንዛረብ እንከለና፡ ትሕተ ቕርጺ ኣዋዲድና ዝብላ ሃገራት እውን ከምቲ ዝድለ ኣይተጠቕማሉን። ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ንማይ ፈለግ ኒል ከምቲ ዝድለ ኣብ ጥቕሚ ዘውዓለ ወገን ኣይነበረን። በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝተገብረ ስምምዓት ዝበዝሐ እጃም ይብጸሓና ዝብላ ምስርን ሱዳንን’ውን ከምቲ ዝድለ ኣይተጠቕማሉን። እታ 80% ካብ ማይ ሰማያዊ ኒል ካብ መሬታ ከም ዝምንጩ እትገልጽ ኢትዮጵያ እውን ንሕርሻ ይኹን ምምንጫው ጸዓት ብ2% ወይ 3% እዃ ኣብ ግብሪ ኣየውዓለቶን።   እተን ዝተረፋ ብምሉአን ትሕቲ 20% ናይ ማይ ኒል ዝምንጭዋ ሃገራት ዝናብን ካልእ ኣማራጽታት ኣሎወን። ማይ ኒል ገዲፍካ ናይ ዝናብ ካልእ ምንጭታትን ኣለወን። ንነፍስ ወከፍ ሃገር ንበይና እንተ ረአና፡ ኵነታት መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ፡ ነዚ ዓቕምታት’ዚ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላዶ? ንሕርሻ ይኹን ንምምንጫው ጸዓት እቲ ዝድለ ትሕተ ቕርጺ ኣዋዲዳዶ? ዝብል ሕቶታት እንተ ኣቕረብና መልሱ ኣይፋል`ዩ። ንምምዕባል ሕብረተሰብ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ዓቕምታት ካብ ሓደ ፡ ክልተ ወይ ሰልስተ ሚእታዊት ዘይበዝሕ`ዩ። ስለዚ ናይ ብሓቂ ጸገም ማይ ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ይለዓል። ብግብሪ ዋሕዲ እንተ’ሎ እተን ሃገራት ምንጪ  ይኹና ናይ መዕለቢ ሃገራት ብጽሒትና ኣይረኸብናን ብምባል ግጭት ወይ ምስሕሓብ ክፈጥራ ይኽእላ። እቲ ሓቂ ግን ከምዚ ኣይኮነን፡ ዋሕዲ ማይ ከም ዘየልቦ ርዱእ ነገር ኮይኑ መካትዒ ጕዳይ `ውን ኣይኮነን። ከም ዝመስለኒ እቲ ዕላማ ነናትካ ጕጅለ ወይ ክበብ ንምፍጣር’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ነዚ ጕዳይዚ መዝሚዙ፡ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሃገራት ጸቕጢ ክፈጥር ይፍትን ኣሎ። ምስ ገለ ካብተን ሃገራት ኒል ክበብ ብምፍጣር፡ ምስ ጕዳይ ማይ ኒል ርክብ ዘይብሉ ኣጀንዳታት ንምትግባር ይሕልን ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ።  ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት፡ ሓደ ንሱ ዝቈጻጸሮ ቀጽሪ ክምስርት ይሓሰብ ይኸውን።  እቲ ሕቶ ግን ኣድላይነት ናይ ከምዚ ዘኣመሰለ ቀጽሪ እንታይ’ዩ? ከምዚ ዓይነት ቀጽሪ ምስ ረብሓታት እተን ሃገራት ከመይ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣሎዎ? ናይ ብሓቂኸ ኣብ መንጎ እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ምንጪ ብሓደ ወገን፡ ሱዳንን ምስርን በቲ ካልእ ምስሕሓብ ዘልዕል ፍልልያት ኣሎዶ?  እዚ ጕዳይ ብፍላጥ ካብ ባዶ ዝተላዕለ’ዩ። ኣብዚ ከባቢ’ዚ ወጥርን ዕግርግርን  ምስ ተፈጥረ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ቕልውላው ምምሕዳር ይመጽእ። ናይ ማይ ጸገም የልቦን፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ምንጭን መዕለብን ኣብ ምክፍፋል ማይ ዝተላዕለ ግጭት የልቦን።  ኵሉ’ቲ ነገር ካብ ባዶ ዝተበገሰ’ዩ። ምቹእ ባይታን ሃዋህውን እንተ ዝህሉ እዘን ሃገራት ብሓንሳብ ኮፍ ኢለን ነቲ ጕዳይ ብህድኣትን ልቦናን ዘተ ኽገብራሉ ምኽኣላ። ዘሎ ዓቕምታት ማይ ንናይ ኵሉ ረብሓ ብዘውዕል መንገዲ፡ ንሕርሻ ይኹን ንኻልእ ጥቕምታት ዝከኣል እዩ። ማያዊ ዓቕምታት ኒል ንኤርትራ ብምድማር ንብምሉኣተን ዓሰርተ ሃገራት ኣኺሉ ዝተርፍ እዩ። ብርእይቶና እዘን ሃገራት እዚኣተን ካብዚ ሕጂ ኣትየንኦ ዘለዋ ደልሃመት ክወጽኣ ይግባእ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ደልሃመት ምጥሓል ነቲ ጕዳይ መሊሱ ስለ ዝሓላልኽ።  ምትሕልላኽ ጥራይ ዘይኮነ’ውን ነተን ሃገራት ብዘይምቕላብ ኣብቲ ሕቡእ ኣጀንዳታት ከም ዝኣትዋ ይኾና። እተን ሃገራት ምንጪ ተባሂለን ዝጽወዓ፡ ምስ ሱዳን ይኹን ምስ ምስሪ ኣብ ግጭት ክኣትዋ ረብሓ የብለንን። በንጻሩ እቲ ሃብቲ ማይ ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኒል ቍጠባዊ ዝምድናታት ብምምስራት፡ ነቲ ዘሎ ዓቕምታት፡ ኣብ ረብሓ ዅሉ ህዝብታት ውዒሉ፡ እቲ ተረፍ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደድ ምተኻእለ። ሃገራት ኣዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ሃብቲ ማይ ኒል ገንዘባዊ ወፍሪ ክገብራ ምኸኣላ። ካብ ኤውሮጳን እስያን ወፍርታት ንኽመጽእ ዕድል ምነበረ። በዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ ሃገራት ምንጭን፡ መዕለብን ፈለግ ኒል ዝነብሩ ወለዶታት ዝረብሑሉ ዕድል ክኽፈት ምተኻእለ ነይሩ።  ኣብዚ እዋን`ዚ ግን እቲ ጕዳይ ኣብ ምንቛትን ፖለቲካዊ ሕልኽላኻትን ዘንቢሉ ኣሎ። ሃገራት ኒል ኣብ ነንሓድሕደን ከምዚ ዘኣመሰለ ምስሕሓብ ኣየድልየንን እዩ።  ንረብሓታት ናይ ሎምን መጻእን ወለዶታት ዘይጠቅም ጥራይ ዘይኮነስ ትርጕም እውን የብሉን።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ምስ ማዕከናት ዜና ዓረብ ኣብ ዝገበርካዮ ቃለ መጠይቕ፡ ጕዳይ ኒል ምስ ፖለቲካዊ ጕዳያት ክተኣሳሰር ኣይግባእን ብምባል ምኽሪ ትህብ ኔርካ። ብግብሪኸ ምስ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዝተኣሳሰረዶ ይመስለካ?

መልሲ፡- ንዅሎም ወገናት ዘጠቓልል መኣዲ ዘተ ክህሉ ይግባእ። ኣብ ባእስን ምስሕሓባትን ብምእታውን፡ ነቲ ጕዳይ ብምምዝማዝን ፖለቲካዊ ጥቕምታት ምርካብ ምፍታን ትርጕም የብሉን።  እቲ ዝሓሸ ፍታሕ፡ እተን ዝምልከትን ሃገራት ብሓደ ኮፍ ኢለን ብህድኣንት፡
ልቦናን ውድዓውነትን ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ዘትየን ንረብሓ መጻኢ ወለዶታት እንተ ኣውዓለኦ’ዩ።
ብየዋህነት ይኹን ብዘይምርዳእ ኣብቲ መጻወድያ ብምእታው እቲ ምስሕሓብ ብመንገዲ ማዕከናት ዜና ይግለጽ ኣሎ። ሓቂ’ዩ ማዕከናት ዜና፡ ናተን ኣዎንታዊ ተራ ኣለወን፣ እንተኾነ ኣሉታዊ መዳያት እውን ስለ ዘሎወን ክንጥንቀቕለን ይግባእ። ማዕከናት ዜና ብዘይምስትውዓል ኣብ ጸርፍን ኣብ ዘይድለ ዘረባታት ከም ትጥሕል ስለ ዝገብራ፡ እቲ ቁም ነገር ጐሊሑ ኣይግለጽን። ሃገራት ፈለግ ኒል ንሕቶ ማይ ኒል ከም ፓለቲካዊ ጕዳይ ክቕርብዎ አይግባእን፣ እዚ መሰረታዊ ጕዳይ እዩ።  ሕቶ ማይ ኒል ምስ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምትሕንፋጹ፡ ናብ ካልእ ዘየድሊ ሓደገኛ ኣንፈት ከም ዝወስድ ኵሉ ሰብ ክግንዘቦ ይግባእ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ መረዳእታ ካብ ናይ ቀደም ዝሓሸ’ዩ። ግዜ እናተናውሓ ብዝኸደ፡ ብዙሓት መንግስታትን ትካላትን ናብ መጻወድያ ንኸይኣትዋ ነቲ ዝእለም ዘሎ ስቱር ወዲት ከስተውዕላሉ ጀሚረን ኣለዋ።  ስለ’ዚ ኣብ ምንጭን ማዕልቦን ዝርከባ ሃገራት ኒል፡ ኣብቲ ተጻዊዱለን ዘሎ መፈንጠራ ንኸይኣትዋ ክጥንቀቓ ይግባእ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት  ኣብ መንጎ  ኤርትራን ሃገራት ኣዕራብን ብሓደ ወገን፡  ኣብ መንጎ ኤርትራን እስራኤልን በቲ ኻልእ ዘሎ ዝምድና ብኸመይ ይረአ? ሓደሓደ ፖለቲከኛታትን ማዕከናት ዜናን ዓረብ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሸነካት ምትእስሳር ከም ዘሎ ይገልጹ።  እዚ ካብ እንታይ ብምብጋስ’ዩ?  

መልሲ፡- እዚ የዋህነት`ዩ ዝመስል። ንሕና ብዙሕ ደኺምናሉ ኢና። ትማሊ ትማሊ ኣብ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ኮፍ ኢልና እንከሎና ንጕዳይና ኣልዒሎም ይዛረቡ ነይሮም።  ካብ ወርሒ ከም ዝመጻእና ዘምስል ኣቀራርባ ነይሩ። ክስትውዓል ዝግባእ ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ናይ ዓረብ ጥራይ ኣይኮነትን። ሓያሎይ ኣባል ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ስለ ዝርከባ፡ ዓረባዊትን ኣፍሪቃዊትን ማሕበር ብምባል ክትስመ ይግባእ ነይሩ።  ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ኣባል ስለ ዝኾና ኣፍሪቃውያን ኣይኮናን ምባል ብስነ-መጐት ቅቡል ኣይኮነን። ዓረብ ወይ ከኣ መምዘኒ ኣባልነት እቲ ማሕበር ምስ ኵነታት መበል 21 ክፍለ ዘመን  ክሳነ ይግባእ። እዚ ሕጂ ዝስረሓሉ ዘሎ ኣገባብ ግዜኡ ዘሕለፈ እዩ።  ኣነ ብንጹር ሓቢረ’የ።  ንሕና ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን መንነት ክንረክብ ወረቐት ፍቓድ ኣየድልየና እዩ።  ባህልና፡ ታሪኻዊ ህላወናን፡ ኣብዚ ኸባቢ ዘሎንና ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ባዕሉ ይምስክር። ከምዚ ዘኣመሰለ ጕዳይ ብስምዒት ክፍጸም ኣይግባእን።  እዚ ሽግር እዚ አብዚ ዘሎ ጸገም እዩ። እተን ብኣድማዕነት ክሰርሓ ዝግብአን ሓይልታት ቁም ነገር ስለ ዘይገበራ፡ ቀንዲ ጕዳይ ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ኣሎ። እቲ ክትዕ ብዛዕባ ትርጕም ዘይብሉን ንኣሽቱ ጕዳያትን ኮይኑ።   ረብሓታት ዘውሕስ ምትእኽኻብ የልቦን። ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ምውህሃድን ምምልላእን እንተ ዝህሉ እዚ ከባቢ’ዚ ብዘይምግናን ኣህጉራዊ ሓይሊ ክምስረት ምበቕዐ ነይሩ።

ሕቶ፡- እዚ ከባቢ ክትብል እንከሎኻ ሃገራት ኣዕራብ ማለትካ ድዩ?

መልሲ፡- እወ ሃገራት ኣዕራብ። እዚ ኸባቢ እዚ ካብ ናይ ዓለም ጠቕላላ ስፍሓት ሓሙሽተ ሚእታዊት ዘይበዝሕ ስፍሓት ሒዙ ኽነሱ፡ ልዕሊ ሱሳ ሚእታዊት ካብቲ ዕቑር ነዳዲ ዓለም
ይውንን። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ዓለም ጂዮ ስትራተጂ፡ ተኣፋፊ ቦታ ሒዙ ይርከብ። እዚ ኾይኑ ግን ሎሚ ንሕና ኣበይ ኣለና? ንሕና ኽብል እንከሎኹ ዓረብ ንኹን ዘይዓረብ ኣፍሪቃዊ ንኹን ወይ ሰሜናዊ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ወይ ደቡብ ወይ ማእከል ብምጥቕላል’የ። እቲ ዝገርም ነገር  ብፍልላጥ ይኹን ብየዋህነት፡ ካብቲ ናይ ሓባር ጕዳያት ብምውጻእ ምስ ሓባራዊ ረብሓታት ናይዞም ህዝብታትን ሃገራትን ርክብ ኣብ ዘይብሉ ንኣሽቱ ጕዳያት ብምልዓል ምስ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምትእስሳሮም’ዩ።  እዚ ድማ ናብ ትርጕም ዘይብሉ ጓል መንገድን ክትዕን የእቱ።  ኣብነት ናይቲ ፍረ ኣልቦ ክትዓትን ሕቶታትን ንስኻ ዓረብ ዲኻ? ወይስ ኣይኮንካን? ኣባል ማሕበራ ሃገራት ኣዕራብ ዲኻ? ወዘተ … እዮም። ብመሰረቱ
ኣብ ክንዲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንክሊል ምእታው ኣብ ኣገደስቲ መትከላት፡ ብውድዓዊ መንገዲ ምዝታይ ይግባእ።  ሃገራት እዚ ከባብን ኵሎም ኣዕራብን ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ታሪኻዊ ግዴታ ኣሎዎም። ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣበይ ኣለና? ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ንነብር ዲና ዘለና? ዝብል ሕቶታት ከልዕሉ የድሊ።  ምስቲ ሕጂ ንዓለም ኣጋጢምዋ ዘሎ ፋይናንስያዊ ቅልውላው እቲ ዕድል ንሃገራት ኣዕራብ ምስ ግዜ ዝሑል ኵናት ወይ መወዳእታ 20 ክፍለ ዘመን ብምንጽጻር ሕጂ ዝሓሸ’ዩ ዘሎ።  ስለዚ እቲ ክትዕ ካብዚ ኩርናዕ`ዚ ክብገስ ይግባእ።

ንጕዳይ ዓረብን እስራኤልን ብዝምልከት እቲ ጕዳይ ናብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓዲሽ ነገር የልቦን።   ካብታ ስምምዕ ኦስሎ ዝተፈረመትላ ዕለት ርእይቶና ገሊጽና ኢና። ነቲ ተዋስኦ ካብ መጀምርታ ንከታተሎ ስለ ዝነበርና፡ እቲ ኣገባብ ከም ዘየዋጽእ ሓቢርና። ሓደ ግዜ ወይ ክልተ ወይ ድማ ሰለስተ ግዜ ምግጋይ የጋጥም’ዩ። ብድሕሪኡ ግን ኣብ ጌጋኻ ምቕጻል የዋህነት’ዩ።  ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሓዲሽ ነገር ኣይርከቦን’ዩ። ኣብዚ ዘሎ ውሁብ ኵነታት፡ ቁም ነገር ዘለዎ ዘተ ክካየድ ኣይንጽበን።  ዘተ ውጽኢት ከም ዘይብሉ ዝፍለጥ እንተደኣ ኮይኑ ስለምንታይ ይቕጽል? ምቕጻሉኸ ንረብሓ እስራኤል ድዩ ንረብሓ ዓረብ? ንናይ ክልቲኦም ረብሓ ኣይኮነን።  ህላወ እስራኤል ኣብዚ ኸባቢ ብግብሪ ኣሎ። ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ኳ እንተኾነት፡ ብዙሓት ሃገራት ኣዕራብ ብወግዒ ኣይፈልጥኣን። ኣብዚ ከባቢ ንምንባር ዝሕግዝ ዝሓሸ ኣማራጺ እንታይ`ዩ? እዚ ቅልውላው’ዚ ንዓቕምታት ህዝብታትን ሃገራትን ዓረብ እናኣህለኸ ንወሎዶታት ዝመሓላለፍ መወዳእታ ዘይብሉ ሕልኽላኻት ብምፍጣር ንዘለኣለም ክቕጽል ድዩ? ኣብ መጀምርታ ተስዓታት ይዝከረኒ ምስ ፍልስጤማውያን ተሰሓሒብና ኔርና፣ ቅድሚኡ እውን ዘይምርድዳእ ነይሩና።  ብግልጺ ዘተ ኦስሎ ንቕድሚት ከም ዘይስጕም ገሊጽና።  በዚ መሰረት መንግስቲ ራማላ ትርጕም ስለ ዘይነበሮ ኣይፈለጥናዮን።   ኣብዚ እዋን`ዚ ፍልስጤማውያን ኵላቶም ኣዕራብን መንግስቲ ራማላ ትርጕም ከም ዘይብሉ ኣሚኖም ኣለዉ። እቲ ንፍልስጤማውያን ስምምዕ ኦስሎ ንኽፍርሙ ዘገደዶም ምኽንያት እንታይ`ዩ? ስምምዕ ኦስሎ ብመሰረቱ ዕላማኡ እንታይ’ዩ? ሃገረ ፍልስጤም ንምቛም ተስፋ ነይሩ ድዩ? ኣብዘን ዘሓለፋ ዓመታት እተዓዘብናዮ፡ ሓሓሊፎም ሓዲሽ ምህዞ ምምጻኦም’ዩ። ክትነብር እትኽእል ሃገረ ፍልስጤም ይብሉ፣ ጸኒሖም ድማ ክልተ ሃገራት ብሓንሳብ ምንባር ይብሉ፣ ሳልሳይ ግዜ ካኣ ሓድሽ ቅጽል ይመሃዝ፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ከም ዝመስለኒ ንህዝብታትን ሃገራትን እዚ ኸባቢ ምንዓቕ’ዩ።  እቲ ዕላማኡ ቕልውላው ከይተፈትሐ ግዜን ዕድላትን ንምጥፋእ’ዩ። ኣብዚ ዘለናዮ መጀመርታ 21 ክፍለ ዘመን፡ ሃገራት ኣዕራብ ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረቛሒታትን ናይ ሓባር መረዳእታን ምእንቲ ኽህልወን ሓሳባተን ዳግም ብምኽላስ ፍጻመታትን ምዕባለታቶምን ብዝግባእ መንገዲ ክግምግማ የድሊ።  ንስም ኤርትራ ብምልዓል ሓንሳብ ምስ እስራኤል፡ ጸኒሕካ ድማ ምስ ኢራን ሳልሳይ ምስዚ ወይ ምስ  ካልእ ወገን ምትእስሳር ዘስሕቕ ነገር’ዩ።  ብሓጺሩ ክብሎ ዝደሊ ንሕና ንመሸጣ እንወርድ ኣይኮናን። ምስ ዝኾነ ወገን ከኣ ምስሕሓባት ኮነ ንግዲ የብልናን። ኣብ ልፍንቲ ምስዚ ወገን’ዚ ወይ ምስቲ ኣይንኣቱን ኢና።  ንኸምዚ ዓይነት ዘረባታት ዝደጋግም ወገን ድማ ኣብ ናቱ ስነ-መጐት ኣይንኣቱን ኢና።  ከምዚ ዓይነት መግለጺ ፖለቲካዊ ብስለት ዝጐደሎ’ዩ።  ኤርትራ ንእሽቶይን ሓዳስን ሃገር እያ፣ ኣብ መጀምርታኣ እያ ዘላ።  ዝኾነ ወገን መንነት ክህበና ኣይንደልን። ካብቶም ዘለዉ ልፍንታት ወይ ምትእኽኻባት ኣብ ዝኾነ ክንኣቱ ኣይንደልን።  ኤርትራ እትደልዮ ነገር እንተሎ ርግኣትን ምዕባለን ናይዚ ከባቢ’ዩ።  ብውልቀይ ኣብዚ ኽባቢ እንታይ ትምነ ብምባል እንተ ተሓቲተ፡ ኵላተን ሃገራት ሰሚረን ዘሎወን ዓቕምታት ኣወሃሂደን፡ በቲ ዘሎወን ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ሓንቲ ካብተን ርእሰ ሓያላን ሃገራት ዓለም ክኾና ምተመነኹ ምበልኩ ነይረ። እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ፡ ናይዚ ኸባቢ ርእሰ ሓያላን ካብ ቻይና፡ ህንድን ጃፓንን ከምኡ’ውን ካብ ኤውሮጳ ዝሓየለት ክትኸውን ትኽእል ኢያ። ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ፋይናንስያዊ ሽግራት ጥሒላ ኣላ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ንኽትገላገል እውን ትጽቢት የልቦን። ስለዚ እቲ ዕድል ናይዚ ኸባቢ’ዩ። እቲ ዝድለ ዓቕምታት ኣሎ፣ እዚ ኸባቢ ኣብ ናይ ዓውለማ ስርዓት ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሒዙ’ሎ። ነዚ ክንጥቀመሉ ምተገብኣ። ብኣተሓሳስባ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ምንባር ግን ፋይዳ የብሉን። ብዛዕባ ዓረባውነት፡ መን ኣባል ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ኮይኑ መንከ ዘይኮነ? መን ምስ መን ኣሎ? ኣብ ኣየነይቲ ልፍንቲ ወይ ኪዳን ኣለኻ? ዝብል ዘረባታት ትርጕም የብሉን። ንኤርትራውያን ድማ ኣየድልየናን’ዩ።

ንእስራኤል ብዝምልከት ብናተይ ርእይቶ፡ እስራኤላውያን በቲ መዓልታዊ ንዕዘቦ ዘለና ምዕባለታት በዚ ሕጂ ዝኸድዎ ዘለዉ መንገዲ፡ ናብ ናይ መጻኢ ወለዶታት ጥፍኣት እዮም ዘምርሑ ዘለዉ። ምናልባት እዚ ዝኽተልዎ ዘለዉ ፖሊሲታት ንክቕጽሉ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኣህጉራውን ዞባውን ሃውህው ሓጊዙዎም ይኸውን።  ብኸምዚ ምቕጻል ግን ናብ ጥፍኣት እስራኤላውያን’ዩ ዘምርሕ። እስራኤላውያን ናብዚ ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣገባብ ቅድሚ ምቕጻሎም ብዕትበት ክሓስቡ ይግባእ። ሓቂ’ዩ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ዓረብ ምድኻምን ምጕጅጃልን ይረአ’ዩ፣ ንእስራኤላውያን ዝሕግዝ ኣህጉራዊ ዅነታት እውን ኣሎ። እቲ እስራኤላውያን ዝኽተልዎ ዘለዉ ፖሊሲታት ግን ኣብዚ ኸባቢ’ዚ ንረብሓታቶም ዘገልግል ኣይኮነን። እስራኤላውያን ኣብዚ ኸባቢ ክህልዉ እንተ ኾይኖም ምስ ህዝብታት እዚ ኸባቢ ምንባር ዝሓሸ ኣማራጺ’ዩ። እዚ ኣማራጺ’ዚ ድማ ናቱ ጠለባት ስለ ዘሎዎ እስራኤላውያን ክፍጽምዎ ይግባእ።  ነዚ ሕጂ ዘሎ ንእስራኤላውያን ላዕለዋይ ኢድ ዝህብ ኵነታት ዓለም ተመርኵስካ ምኻድ ግን ንረብሓታት እስራኤል ዘየገልግል`ዩ። ጕዳያት ብልቦና ፍታሕ ክርከበሎም ይግባእ፣ በዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኣብ ክልተኦም ወገናት ዘሎ አረኣእታት  ንመጻኢ ተስፋ ዝህብ ኣይመስልን። ብቐጻሊ ሓዲሽ ፈተነ ሰላም ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ንነፍስኻ ምቕሻሽ`ዩ። እስራኤላውያን ይኹኑ ዓረብ ኣብ ጥቕሚ ዘይብሉ ዘተ ሰላም ዕንክሊል ምባል ነዚ ዘሎ ወለዶ ኾነ መጻኢ ወለዶ ዝጠቅም ኣይኮነን።

968
-