Part II Interview with President Isaias Afwerki ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካልኣይ ክፋል

PIA2

ካልኣይ ክፋል
ኣብ ቀዳማይ  ክፋል ቃለ መጠይቕ፡ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኤርትራ ዘተኰረ እዩ ኔይሩ።  ኣብ’ዚ ኻልኣይ ክፋል እታ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባቲ ብሰብ ጕዳይ ዝተመስከረሉ፡ ኣዎንታዊ ተራ ዘበርከተ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኤርትራን ናይ ወጻኢ ፓሊሲኣን ዝምርኰሰሉ ክብርታትን መትከላትን ንኸበርህ ሕቶ ኣቕሪባ።  ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ሕቶ ብዕምቈት መሊሱ፣ ከምኡ’ውን ኵነታት ጐረባብቲ ሃገራት ንኽገልጽ ዝቐረበሉ ጥያቐ ምርኵስ ብምግባር፣ ሽግር ሶማልን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ፍጻመታትን ምዕባለታቱን፡  ጸገማት የመንን ሕሉፍን ህልውን ጕዳያት ሱዳን ኣብሪሁ።ነቲ ዝተሰንዐ ‘‘ዶባዊ ምስሕሓብ’’ ኤርትራን ጂቡትን ብተበግሶ ቐጠር ዝተጀመረ መንጎኝነትን ኣመልኪቱ’ውን መብርሂ ሂቡ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል’ዚ ቓለ መጠይቕ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ዅነታት ኣብሪህካልና ኔርካ፣ ኣብ’ዚ ኻልኣይ ክፋል ከኣ ኣብ ናይ ወጻኢ ፓሊሲ ሃገረ ኤርትራ ክንኣቱ። ብመጀመርታ ንፖሊሲ ወጻኢ ሃገረ ኤርትራ ዝገዝእ ክብርታትን ዝቖመሉ መትከላትንዶ ምገለጽካልና?

መልሲ፡- ኣነ ግሎባላይዘሽን ወይ ዓውለማ ዝብል ኣምር ኣይፈትዎን እየ። ናይ ባዕለይ ኣገላልጻ’ውን ኣሎንኒ። ዓውለማ ከም ኣምር ክህሉ ይኽእል እዩ። ንሕና ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቓልሲ እውን ዝነበረና ጠመተ ሰፊሕን ንነዊሕ ዘማዕዱን’ዩ ነይሩ። እዚ ብግስግስና ይገለጽ ወይስ ብኻልእ ዘገድስ ኣይኮነን። እንተኾነ ዕጥቃዊ ቓልሲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ህዝብታት ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ነይሩ። ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ክዛረብ ከለኹ፡ ኣብ ውሽጢ ዞባን ካብኡ ወጻእን ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዝበሉ ህዝብታት ነይሮም እዮም። ምኽንያቱ ሓደ መሰል ካብ መሰላት ሕብረተሰባት ስለ ዝኾነ። እቲ ምድግጋፍ ምናልባት ፖለቲካዊ ጥራይ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነቱ፡ ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ዝኾነት ሃገር ካብቲ ዝነብረሉ ኸባቢ ወጻኢ ተፈልዩ ኽነብር ኣይክእልን እዩ። ምናልባት ዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ኣከባቢ ክኸውን ይኽእል። ዝምድናና ካብ መጀመርታ ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ህዝብታት ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ሃዋህው ክፈጥር ኣብ ዝኽእል መትከላት ዝተመርኰሰ’ዩ ነይሩ። እዚ መሰረታዊ መትከል ኮይኑ፡ ካብ ኣህጉራዊ ዅነታት’ውን ክትንጸል ኣሎካ ማለት ኣይኮነን። ምስ እስያ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ካልኦት ክፍላተ-ዓለም’ውን ናይ ግድን ዝምድና ኽህልወና የድሊ። እዚ ግን ምስ ህዝብታት ዞባና ናይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ኪዳን ንምምስራት ዝዕንቅፍ ክኸውን ኣይግባእን። ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ኬንያን ካልኦትን፡ ከምኡ ድማ ምስ ማእከላይ ምብራቕ እንገብሮ ዝምድናታት ኣብዚ ዝጠቐስክዎ ስትራተጅያዊ ርድኢት ዝምርኰስ እዩ። ንኣብነት ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት (IGAD) ኣብ መንጎ ሃገራት ዞባና ከም ናይ ምትሕግጋዝ ውድብ፡ ከም ምዃኑ መጠን፡ ክምዕብል የድሊ። እዚ ሓደ ካብቲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኤርትራ ዝምርኰሰሉ መትከላት እዩ። ነቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቓልሲ ምስ ዓረባዊ ዓለም ዝተሃንጸ ናይ መራኽቢ ድንድል ምሕያል። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራትን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዝምድና ዝገልጽ ባህርያዊ ነገር እዩ። ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ኤውሮጳን መላእ ዓለምን ዝርከቡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝምድና ምህናጽ ሓደ ካብቲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ዘተኵረሉ እዩ። ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘሎዎ ዝምድና ንምህናጽ ንዕኡ ዘነጣጥፍ ትካላት ምህናጽ’ውን የድሊ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ቍጠባዊ ምዕባለ፡ ትሕተ ቕርጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልእን ኣብ እንዛረበሉ፡ ናይ ግድን እዚ ፕሮጀክታት’ዚ ምስ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ሶማል፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ የመንን ምስ ኵሎም ከባቢናን ክተኣሳሰር የድሊ። እዚ ኸባቢ ህዝብታቱ ኣብ ነንሕድሕዶም ንኽተሓጋገዙ ዘፍቅድ ሰላማዊ ኣከባቢ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ድማ ኣብ ውሽጥ’ዚ ርድኢት’ዚ እዩ ዝሰርሕ። ንሕና ነዛ ሃገር እዚኣ ሓራ ንምውጻእ ክቡር ዋጋ ኸፊልና ኢና። ስለዚ ኣብ ከባቢና ናይ ምትሕግጋዝ ሃዋህው ንምፍጣር ክንሰርሕ ይግባእ። ንሱ ምስ ማዕበለ ናብ ካልእ ዞባታት ክሰጋገር ይኽእል እዩ። ዝምድናታት ድማ ነቲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዝምርኰሰሉ ዕላማታት ንምትግባር ዘገልግል ስትራተጂ ብምስኣል’ዩ ዝህነጽ። ከምኡ’ውን መካኒዝም ንምፍጣርን ትካላት ንምህናጽን ናብ ዕላማ ዘብጽሕ ውጥን ምድላው የድሊ።  ብሓጺሩ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ህዝብታት ንደረጃ መነባብሮኦምን ሂወቶምን ብቐጻሊ ኣብ ምምዕባል ከውሕሰሎም ኣብ ዝኽእል ናይ ሓባር ምትሕግጋዝ፡

ምክብባርን ሰላማዊ ምድግጋፍን ኣብ ዝብሉ መትከላት ዝቖመ እዩ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት ካብ መጀመርታ መዓልቲ ናጽነት፡ ኤርትራ ንሽግራት ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡትን የመንን ንምፍታሕ ዕቱብ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣካይዳ እያ። እዚ ፓሊሲ’ዚ መበገሲኡ እንታይ’ዩ? ሸቶኡኸ ውቒዑዶ?

መልሲ፡- ኵሎም ሕብረተሰባት ቍርቍሳት ኣሎዎም። ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሓደ ቐጸላ ልዕሊ ዅሉ ረብሓ ምስ ዝህልዎ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ብዋጋ ናይ ብዙሓት ረብሓኡ ከረጋግጽ ዝደሊ ሓደ ቐጸላን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ረብሓኦም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ከረጋግጹ ዝደልዩ ብዙሓትን ቍርቍስ ይለዓል። ሓይልን ጽልዋን ዘሎዎም ውሑዳት፡ ብዋጋ ኻልኦት ክነብሩ ስለ ዝደልዩ ኣብ ዓለም ውግኣት ተወሊዖም። እዚ ንነብሮ ዘለና መበል 20ን 21ን ክፍላተ-ዘመን ድማ ከምዚ ዝጠቐስክዎ’ዩ ዘሎ። እቶም ጸጋታት ካልኦት ዝምዝምዙ ሰብ ፍሉይ ረብሓ፡ ኣህጉራውያን ኩባንያታትን ትካላትን እውን ኣለዉ። ፖለቲካዊ ቍርቍስ ወይ’ቲ ኣነ ዘይድግፎ ኣጸዋውዓ ናይ ስልጣነታት ቍርቍስ ድማ ቐጻሊ እዩ። ብድሆታት እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ክንዛረብ ከለና ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ቍርቍስ’ዚ ዝነበረ  እዩ። ኣብ 1991 መላእ መሬትና ሓራ ምስ ኣውጻእና፡ ዘመነ ዅናት ኣብቂዑ ንብል ኔርና። ናብ ሓድሽ መድረኽ ኣቲና፣ ህዝቢ ሓራ ወጺኡ። ኣብ ሶማልን ካልኦት ከባቢታትን ድማ እቲ ሃዋህው ተለዊጡ። ኣብ ርእስ’ዚ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታትን መጀመርታ ተስዓታትን ኣብ ሱዳን ለውጢ መጺኡ። እዞም ህዝብታት እዚኣቶም፡ ንዘሎ ክውንነት ናብ ዝበለጸ ንምልዋጡ ኣብ ነንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ዘኽእሎም ሃዋህው ክፈጥሩ ይግባእ። ህዝብታት ዞባና ንኣብነት ሶማላውያን፡ ሱዳናውያን፡ የመናውያንን ካልኦትን ናይ ምትሕግጋዝ ሃዋህው ክፈጥሩ ኽደልዩ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ ንኸምዚ ዓይነት ምትሕግጋዝ ዘየፍቅዱ ዓብለልትን ገበትን ሓይልታት ምህላዎም ክንፈልጥ የድሊ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም እንተ ረኣና እቲ ቝርቍስ ኣብ መንጎ ሓራ ኾይኑ ናይ ምትሕግጋዝ ሃዋህው ክፈጥር ዝደሊ ህዝብን፡ ክዕብልል ዝደሊ ዓለም ለኻዊ ሓይልን እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ቍርቍስ እዚ ድማ ኣሎን፡ ንመጻኢ ክቕጽልን እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እቲ ንሕና ኣብ ሶማል እነካይዶ ጻዕሪ ኣብ ውሽጥ’ዚ ምዕባለታት’ዚ እዩ ዝረአ። ንሕና ዝኾነ ይኹን ሕቡእ ኣጀንዳ የብልናን። ቅድሚ ሕጂ
ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓራ ኣብ ምውጻኡ ተሓጋጊዝና፡ ንገዛእ ርእስና’ውን ሓራ ወጺእና። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኸኣ ንሕናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ተሓጋጊዝና ንመጻኢ ወለዶ ሓድሽ ሃዋህው ምፍጣር እዩ ነይሩ። ከምኡ’ውን በዚ መረዳእታ’ዚ ምስ ሱዳንን የመንን ተሓጋጊዝና። ምእንቲ ሓድነትን ምዕባለን የመን ኣብ ጎኑ ደው ኢልና። ከባቢና ስለ ዝኾነ ኸኣ ከምኡ ዓይነት መርገጺ ኽንወስድ ባህርያዊ እዩ። የመን ናይ ግድን ሰላም ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ይግባእ። ውሑስ ከባቢ ፈጢርና ህዝብታት ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተሓጋገዘሉ ዕድላት ንምዕቃብ፡ ጸጥታ ቐይሕ ባሕሪ ምውሓስ ኣገዳስን ህጹጽን ጕዳይ’ዩ። ኣብ ዞባና ሽግራት ንምፍታሕ ዝውሰድ ዝነበረ ተበግሶታት፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ናይ ምትሕግጋዝን ስኒትን ሃዋህው ምፍጣር ዝብል ፖሊሲታት እዩ ዝምርኰስ ነይሩ። እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ንኣሽሓት ዓመታትን ዘመናትን ብሓባር ክነብሩ ዝጸንሑ እዮም። ስለዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ናይ ግድን ኣብ ዝበለጸን ዝማዕበለን ታሪኻዊ መድረኽ ክሰርሑ ባህርያዊ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝበለጸ ዅነታት ክፍጠር ዘይደሊ ኣህጉራዊ ሓይሊ ምህላዉ እዩ። እዚ ሓይል’ዚ ኣብ ሶማል፡ ሱዳንን የመንን ምትእትታው ይፍጽምን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሽግራት ይፈጥርን ኣሎ። ኣብ ወሽመጥ ዓደን ድማ ጸገማት ክፈጥር ይረአ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ክውንነት እዚ’ዩ። ብኽውንነታዊ መገዲ ድማ ምስዚ ዅነታት’ዚ ክንዋሳእ የድሊ። እዚ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዞባና ናይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዝምድናታት ንምፍጣር ዝዓለመ ቕዱስ መትከላትና ኸኣ ክህሉን ክቕጽልን እዩ። ካብዚ ንጸጋታት ህዝብታትና ክግብት ዝደልን ዝፍትንን ዓቢ ሓይሊ ፈሪህና ስራሕና ክንገድፍን ክንወላወልን ከቶ ኣይግባእን። እዚ ቍርቍስ እዚ ዝቕጽል እኳ እንተኾነ፡ ብውሽጥን ከባብን ዕላማታትና ክሳዕ እነረጋግጽ ብዘይ ተጕላባነት ክንቅጽል ይግባእ።

ሕቶ፡- ከም እንፈልጦ ክቡር ፕረዚደንት፡ ኤርትራ በዛ ኣብ ቃራና መገዲ እትርከብ ሱዳን ትጽሎን ትጸሉን እያ። ህልው ፍጻመታትን መጻእን ሱዳን ከመይ ተንብቦ? ተራ ኤርትራኸ እንታይ እዩ?

መልሲ፡- መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ መትከላት ዝረአ እዩ። ዝምድና ኤርትራ ምስ ከባቢኣ ብዝምልከት፡ ነፍስ ወከፍ ዝምድና ናቱ ፍሉይነት ኣሎዎ። ንኣብነት ዝምድና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናቱ ፍሉይነት ኣሎዎ። ከምኡ ድማ ዝምድና ኤርትራ ምስ ሱዳንን ሶማልን። ስለዚ ዝምድናና ምስ ሱዳን ዘጋጠሞ ዅነታት ብዘየገድስ ስትራተጅያዊ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኻዊ መድረኻት ዝተቐያየሩ ስርዓታት ብዘየገድስ ዝምድናታትና ንወለዶታት ዝቕጽል ስትራተጅያዊ ዝምድና እዩ። እቲ ሕቶ እምበኣር ከመይ ነንብቦን ንርድኦን ጥራይ እዩ። ሱዳን ዝሓልፎ ዘሎ ምዕባለታትን ምስኡ ዘሎንና ዝምድናን ከመይ ነንብቦ? እዚ ኽብል ከለኹ ኣብዚ ሕጂ ብዛዕባ ረፈረንደምን ምንጻልን ደቡብ ሱዳንን ካልእን ዝዝረብ ዘረባታት ብምትኳር እየ። እዚ ድማ እቲ ድሕሪ ናጽነት ንልዕሊ ፍርቂ ኽፍለ ዘመን ዝቐጸለ ናይ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣገባባት ፍሹል ከም ዝነበረ ዘረድእ እዩ። ሕጂ ግን ኣብ 1956ን ድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ታሪኻውን ፖለቲካውን መድረኻትን ምዝራብ ጥቕሚ ከም ዘይብሉ’ዩ ዝረኣየኒ። ሕጂ ብዛዕባ ዘሎ ህልው ኵነታት ጥራይ ክንዛረብ ይግባእ። ብዛዕባ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ማለት ካብ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ክሳዕ ምልክት ሓድሽ ሃዋህው ኣብ ዞባና ዝተራእየሉ እዋን፡ ሱዳን ነዚ ዝተወርሰ ሽግር ኣብ ክል’ቲ እንነብረሉ ከባቢ ዝተኸስተ ሓድሽ ሃዋህው ክትሰግሮ ትኽእል ነይራ።ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ዝምድና ፍሉይ እዩ። ህልው ተራና ድማ ምስ ሱዳን ምድግጋፍ እዩ። ንጕዳይ ደቡብ ሱዳን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ዝቐጸለ ታሪኻዊ ውርሻ እዩ። ብዙሕ መግለጺታት ክወሃብ ይከኣል ይኸውን። ብሓፈሻኡ ግን ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ናይ ዝሐለፈ ክፍለ ዘመን፡ ሱዳን ነቲ መድረኽ ክትሰግሮ ዕድል ነይርዋ። ንሕና ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዝተወርሰ ታሪኻዊ ሽግር ክፍታሕ እንተ ኾይኑ፡  ኵሎም ወገናት ሱዳን ምሉእ መሰሎም ክረኽቡ ይግባእ ዝብል ንጹር ርእይቶ ነይሩና። ነዚ መሰል ርእሰ ውሳነ ድዩ ክበሃል ወይስ ካልእ ዘገድስ ኣይኮነን። መሰል ርእሰ ውሳነ ብሓደ ወገን ሓድነት ሱዳን ዘረጋግጽ፡ በቲ ኻልእ ወገን ድማ መሰል ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ግብሪ ዘውዕል ማለትና እዩ። ኣብ ማዕረ ዜግነታዊ መሰላት ዝተሰረተት ሱዳን ምፍጣር ማለት እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ኽኣ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን መሰሎም ክረኽቡ፡ ኵናት ከብቅዕን፡ ኵሎም ሱዳናውያን ብስኒት ንምንባር ዘኽእሎም ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፍጠርን ይግባእ። ጕዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ዘካየድናዮ ናይ መጀመርታ ጻዕሪ ንውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት (IGAD) ብግብራዊ ሓድሽ ኣገባብ ብምውዳብ፡ ኣብ ውሽጡ ከም ዝፍታሕ ንምግባር ነይሩ። ቅድሚኡ’ውን ምስ ኣሕዋትና ኣብ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ርክባት ነይሩና። ከም ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ኣብ እዋን ስርዓት ኑሜሪ ኣብ 1983 እዩ ንጥፈታቱ ጀሚሩ። ድሕረ ባይታ ኣበጋግሳኡ ንታሪኽ ገዲፈ፡ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ሜዳ ህላወ ዘሎዎ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ክልተ ኣረኣእያ ዝነበሮም ወገናት ሓቝፉ ነይሩ። እቲ ሓደ ወገን ንደቡብ ሱዳን ንምንጻል ዝሰርሕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ግን ኣብ ውሽጢ ስምርቲ ሱዳን መሰላቱ ዝሓትት እዩ። ይዝከረኒ ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ርያክ መሻር፡ ንሕና ክንፍለ ኢና እንደሊ ይብል ነይሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከኣ ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ዶክቶር ጆን ጋራንግ ድማ ንሕና ሓድነት ኢና ንደሊ፣ መጻኢ ደቡብ ምስ ሰሜን ስለ ዝተኣሳሰር፡ ንደቡብ ነጺልና ናጻ ሃገር ክንገብራ ኣይንደልን ኢና ይብል ነይሩ። ከም መረዳእታ ጆን ጋራንግ ኣብ ማዕርነት ዜግነታዊ መሰላት ዝተሰረተት ሓዳስ ሱዳን ምህናጽ ማለት እዩ። እዚ እንተደኣ ተረጋጊጹ፡ ደቂ ደቡብ ካብ ምውጋን ወጺኦም፡ ከም ኵሎም ሱዳናውያን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ዜጋታት ምስ ዝኾኑ፡ ኵሉ ጕዳያት ኣብ ደቡብ ተወዲኡ ማለት እዩ። እቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ንልምዓት ደቡብ ዝምልከት ካልኣዊ እዩ። ምኽንያቱ ውጽኢት ናይ’ቲ ንዅሎም ሱዳናውያን ማዕረ ዜግነታዊ መሰላት ዘፍቅድ ፖለቲካዊ ክውንነት ስለ ዝኾነ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ምስ ናትና እምነት ዝሳነ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ተኽእሎ ምፍንጫል ደቡብ ወይ መጻኢ ደቡብ ካብ ሓድነት ሱዳን ወጻኢ’ዩ ክኸውን ዝግባእ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ሕጂ ግን ሕቶ ምፍላይ ዳርጋ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ብዛዕባ መሰል ርእሰ ውሳነ ክዝረብ ምስ ተጀመረ፡ ናይ ሓድነት ዕድል 99 ካብ ሚእቲ፡ ናይ ምፍንጫል ተኽእሎ ድማ ሓደ ካብ ሚእቲ ክኸውን’ዩ ንብል ኔርና። እዚ መሰል ደቂ ደቡብ ብምውሓስ ሓድነት ሱዳን ኣብ ምዕቃብ ዝነበረ መርገጺ ዘረድእ ኣሃዝ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ግን ክልቲኦም ኣብ ስልጣን ዝነብሩ ወገናትን ካልኦትን ብዝፈጸምዎ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣፈታትሓ፡ እቲ ጕዳይ ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ኾይኑ። ምናልባት ሕጂ ነዚ ወገን’ዚ ይኹን ነቲ፡ ናይቲ ጌጋታት ሓላፍነት ምስካም ጽቡቕ ከይከውን ይኽእል እዩ። እቲ ርጉጽ ነገር ግን ጕድለታት ተፈጺሙ። ኣብ ርእስ’ዚ ጌጋታት’ዚ ድማ ንነገራት ብምትሕልላኽ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ዘብጽሐ ኻልእ ናይ ወጻኢ ረቛሒታት ኣሎ። ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ኣጀንዳን ንጕዳይ ሱዳን ሓላሊኹዎ እዩ። ብተወሳኺ ውሽጣዊ ፍጻመታት ከም ሞት ዶክቶር ጆን ጋራንግ ተራ ነይሩዎ። ኣብዚ ከብርሆ ዝድሊ ሓደ ሓቂ፡ ኣብ ስምምዕ ናይቫሻ ዕቃበታት ከም ዝነበረና እዩ። ሓደ ካብ ዕቃበታትና ምምቕራሕ ስልጣንን ሃብትን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓድነት ሱዳን ዘብጽሕ ዘይምንባሩ እዩ። እቲ ስምምዕ ንባዕሉ ናይ ምፍንጫል መሰረት እዩ ኣንጺፉ። ትካላዊ መልክዕ ዘሎዎ መንግስቲ ኣብ ደቡብ፡ ካልእ መንግስቲ ኣብ ኻርቱም፡ ሰራዊት ኣብ ጁባ፡ ሰራዊት ከኣ ኣብ ኻርቱም። ኣብዚ ጕዳያት እዚ ዕቃበታት ነይሩና፣ ብዛዕባኡ ኣብ እዋኑ ሓቢርና። እቲ ስምምዕ ናይቫሻ መወዳእታ ዘይብሉ ሽግር ዘስዕብ ስለ ዝኾነ ምፍርራም ስምምዕ ደው ከብል ይግባእ ኢልና። እዚ ቅድሚ 2005 ዝነበረ መርገጺና እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ንሰማማዓሉ መመቓርሒ ስልጣንን ሃብትን መርገጺ መንግስትን ኣብዝን ኣብትን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ጌጋታት ይረአ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ገለ ወገናት እቲ ሰይጣን ኣብቲ ዝርዝራቶም እዩ ዘሎ ይብሉ ነይሮም። እቲ ቐንዲ ሽግር ግን ኣብ ዝርዝራቶም ዘይኮነስ ኣብ ትሕዝቶ’ዩ ነይሩ። እዚ  ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ከኣ፡ ጠንቁ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ እዩ። እዚ ኣብ ርእስ’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ወጻኢ ኣጀንዳን ምትእትታውን ማለት እዩ። ምስቲ ዅሉ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረና ዕቃበታት፡ መተካእታኦም ኴንና ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያቶም ክንኣቱን ርእይቶና ከነስገድድን ስለ ዘይንኽእል ግን ምርጫና ንመርገጺ ሰብ ጕዳይ ምኽባር እዩ ነይሩ። እቲ ስምምዕ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላም ተባሂሉ። ብወገንና ኣብ ሞንጎ ኽልተ ወገናት ብምዃኑ፡ ኻብኡ ንላዕሊ ዝሰፍሐ ስምምዕ ክግበር ይከኣል ስለ ዝነበረ፡ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ክበሃል ከም ዘይግባእ ሓቢርና። እንተኾነ ኣብ መጠረሽታ ምርጫኦም ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ድማ ርእይቶና ከነስገድድ ስለ ዘይንኽእል ኣብቲ ስምምዕ ዘሎንና ዕቃበታት ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ነቲ ስምምዕ ምፍርራም ዓቢ ጸገም ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓቢርናዮም። ምስዚ ዅሉ ግን ክልቲኦም ወገናት ክታሞም ኣንቢሮም፣ እቲ ዘጋጥመ ድማ ኣጋጢሙ። ካልኣይ ትዕዝብትና ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ነቲ ጕዳይ ኣህጉራዊ መልክዕ ምትሓዙን እዩ ነይሩ። እዚ ጕዳይ’ዚ ኽስገር ዝከኣል እዩ ነይሩ፣ መስርሕ ሰላም ክጅመር ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት  እዩ ነይሩ። ቀስ ብቐስ ግን ፈተውቲ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ዝበሃሉ መጺኦም። ቀጺሎም ከኣ መሻርኽቲ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ዝተባህሉ ኣትዮም። ቀስ ብቐስ ድማ እቲ ጕዳይ ካብ ምቍጽጻር በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ወጻኢ ኮይኑ።  በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ከኣ ኣብ ንናይ ደገ ሓይልታት ከም ጽላል ዘገልግል መሳርሒ ተለዊጡ። ነቲ ጕዳይ ኣህጉራዊ መልክዕ ምትሓዙ መሊሱ ሓላሊኹዎ። በዚ ጥራይ’ውን ደው ኣይበለን። ሕብረት ኣፍሪቃን ሕውስዋስ ሓይልታትን መጺኦም። ጕዳይ ዳርፎር ድማ መሊሱ ሓላሊኽዎ። ስምምዕ ግንባር ምብራቕ እንተ ረአና ግን ኣብቶም ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎም መትከላት ዝተሰረተ ብምንባሩ ብኣብነት ዝግለጽ እዩ። እዚ ስምምዕ’ዚ ብዛዕባ ምምቕራሕ ስልጣንን ሃብትን ኣይተዛተየን። ናይ ደገ ምትእትታው ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይነበሮን። ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ጥራይ ዝተሓጽረ’ዩ ነይሩ። ከምቲ ግቡእ እዚ ስምምዕ’ዚ ንሽግር ደቡብ ሱዳን ይኹን ጕዳይ ዳርፎር ንምፍታሕ ኣብነት ክኸውን ነይርዎ። እቲ ድሒሩ ዝተቐልቀለ ጕዳይ ዳርፎር እንተ ረአና’ውን መጀመርታ ስምምዕ ኣቡጃ ዝተባህለ’ዩ መጺኡ። ኣብ መንጎ ኽልተ ወገናት ቅልጡፍ ስምምዕ ክግበር ስለ ዘይከኣል ድማ ኣብ ስምምዕ ኣቡጃ’ውን ዕቃበታት ነይሩና። ካብቲ ስምምዕ ኣቡጃ ዝተኸተመሉ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዝተኸስተ ምዕባለታት እንተ ረአና ከኣ፡ እቲ ዝስዓበ ሕልኽላኻት ብልክዕ ከምቲ ንስምምዕ ናይቫሻ ዘጋጠመ እዩ ነይሩ። ብኸምዚ እቲ ጕዳይ ኣብ ነንሓድሕዱ ስለ ዝተጠናነገ ካብ 2005 ክሳዕ 2011 ዘሎ ናይ ሓሙሽተ ዓመት እዋን፡ ነቲ ሕልኽላኻት ንምስጋር እኹል ክኸውን ኣይከኣለን። ኣብ ርእስ’ዚ ዝገለጽክዎ ረቛሒታት ድማ እቲ ስምምዕ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቁርኣን ፍጹም ከም ዘይልወጥ ነገር ተወሲዱ። ንነገራት ኣጽኒዕካ ንዅሎም ወገናት ዘዕግብ ፍታሕ ንምምጻእ ነቲ ረፈረንደም ኣብ ክንዲ ምንዋሕ፡ ገለ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ረፈረንደም ኣብ ግዚኡ ክካየድ ይግባእ ኣብ ዝብል መርገጺ ጸኒዖም። እዚኸ ውጽኢት ኣሎዎ ድዩ? ነዚ ሕቶ’ዚ መጻኢ ውጽኢት ናይቲ መስርሕ ባዕሉ ክምልሶ እዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ ቅሳነት ከምጽእ ከም ዘይክእልን ንሽግር ደቡብ ይኹን ሰሜን ከምኡ’ውን ንሽግር ምዕራብ ሱዳን ክፈትሕ ከም ዘይክእልን ካብ መጀመርታ ዝተዛረብናሉ ጕዳይ እዩ። ምናልባት ሕጂ ነዚ ጕዳይ’ዚ ንምትሕልላኽን ናብ ረብሓኡ ንምልዋጡን ብዝሰፍሐ መልክዕ ዝዋሳእ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣጀንዳ ምዝራብ፡ እቲ ግዜ ምቹእ ከይከውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ውዱእ ግዜ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምዝራብ ትርጕም ስለ ዘይህልዎ። ሕጂ ንነገራት ድሕሪት ንምምላስ ምቹእ ሃዋህው ይኹን ዕድል የልቦን። እቲ ጕዳይ ኣህጉራዊ መልክዕ ሒዙ፡ ምስ ናይ ውሽጥን ደገን ሕልኽላኻት ስለ ዝተኣሳሰረ ከኣ ኣብ ዕጹው መገዲ በጺሕና። ንሱዳናውያን ይኹን ንመላእ ዞባና ዕጹው መገዲ እዩ። ኣብ ዞባና ስትራተጅያዊ፡ ማሕበራውን ታሪኻውን ቦታ ሱዳን ቀሊል ጕዳይ ኣይኮነን፣ ረፈረንደም ዘምጽኦ ውጽኢታት ድማ ናብ ብዙሕ ሲናርዮታት ዝመርሕ’ዩ ክኸውን። ብዛዕባኡ ምዝራብ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ እዩ። ብሓጺሩ ግን ውጽኢት ናይ ጕድለታትን ሕልኽላኻትን፡ ናይ ደገ ምትእትታውን እዩ። ሕጂ ኣብ ውዱእ ግዜ ብዛዕባ ፍታሕ ምንዳይ ግን ክውንነታዊ ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ውጽኢት ናይቲ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ጥሪ 2011 ዝካየድ ረፈረንደም ዘምጽኦ ብድሆታት ንምግጣም ድሉዋት ክንከውን ይግባእ። ኤርትራ መትከላት ዘሎዎ ዝቕጽል ዘይቅየር ጕዳይ’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎዋ። ምናልባት ወድዓዊ ዅነታት ብዝፈጠሮ ምኽንያታት፡ እቲ ጕዳይ ካብ ምቍጽጻርና ወጻኢ ክህሉ ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ካብ መጀመርታ ተስዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጥ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ጕዳይ ሱዳን ዘሎንና መረዳእታ ዝተለወጠ የልቦን። ኣብ ጕዳይ ሱዳን ሃናጺ ተራ ንኽንጻወት ዝደረኸና ኸኣ ንሱ እዩ። ኣብዚ ናይ ኵሎም ህዝብታትን ሃገራትን ከባቢና ምድግጋፍ ዝሓትት ዞባና፡ ሱዳን ኣድማዒ ፖለቲካዊ ተራ ንኽህልዋ ድማ ጻዕርታትና ቐጻሊ እዩ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ባሕሪ ሽግር ካብ እትጥሕል 20 ዓመታት ኣሕሊፋ ኣላ። ነዚ ሽግር’ዚ ኸመይ ትግምግሞ? ኤርትራኸ መፍትሒኡ ኸመይ ክኸውን ይግባእ እያ እትብል?

መልሲ፡- ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ሓድሽ  ነገር የልቦን። ዝምድናና ምስ ሶማል ካብ መጠረሽታ 19 ክፍለ ዘመን’ዩ ዝጅምር። መግዛእቲ ንኽልቲኡ ህዝብታት ብዝፈጠረሉ ሃዋህው፡ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ህዝብታት ናይ ሓባር ስራሕን ምትእስሳርን ነይሩ።  እዚ መግዛእታዊ ተመኵሮ’ዚ ኸኣ ንኤርትራውያንን ሶማላውያንን ናይ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሕውነትን ረብሓታትን ምድንጋጽን ክበሃል ዝከኣል ዝምድና ፈጢሩሎም። ኣብ መጀመርታ ሱሳታት መድረኽ ሓርነትን ናጽነትን ኣፍሪቃ ምስ መጸ ድማ፡ ክልተ ሸነኻት ሶማል፡ ማለት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበረ ሰሜናዊ ክፋልን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበረ ደቡባዊ ክፋልን ኣብ ሓንቲ ሶማል ሰሚሩ። እቲ መስርሕ ብድሌት ዝተፈጸመ ሓድነት’ዩ ነይሩ። ኵነታት ሶማል ዓሚቚ መጽናዕቲ ዘድልዮ ዝተሓላለኸ ጕዳይ እዩ። ብልምዳዊ መረዳእታ ሶማል ናይ ሓደ ቛንቋ፡ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ጂኦግራፍያዊ ከባብን ባህልን ብልጫታት ስለ ዘሎዋ፡ ስጥምትን ስምርትን ሃገር ክትከውን ብቕዓት ኣሎዋ ይበሃል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሶማል ካብ ህዝብታት ኣፍሪቃ፡ ዞባናን ካልኦትን ንላዕሊ ሓንቲ ስምርቲ ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎታት ኣሎዋ። ካብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ ኣብ ገለ ክፋል ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያ ኦጋዴንን ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያን ሶማላውያን ኣለዉ። እዞም ሶማላውያን እዚኣቶም ብባህሪኦም ከም ሓደ ህዝቢ’ዮም ንነብሶም ዝርእይዋ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዓባይ ሶማል ናይ ምቛም፡ ሶማላዊ ባህጊ ክቕልቀል ጀሚሩ። እዚ ባህግ’ዚኸ ሕጋዊ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ንታሪኽ ተገዲፉ፡ ፈቲና ጸሊእና እቲ ስምዒት ከም ዘሎን፡ ኣካል ናይቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝተቐልቀለ ሽግር ሶማል ምዃኑን ፍሉጥ እዩ። ባህጊ ሶማላውያን ሽግርን ሻቅሎትን ዞባና ኾይኑ’ዩ ጸኒሑ። ፍጻመታት ማእከላይ ክፍለ ዘመን ብዘየገድስ ከኣ፡ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያ ናይ ሶማል ጽልኢ ማዕቢሉ።  በዚ ድማ ሶማል ከም ዓቢ ብድሆ ኮይናቶም። ከም ዝፍለጥ ግን እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር፡ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን ዝቖመት እምበር ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ህላወ ኣይነበራን። ኢምበራጦርያዊት ኢትዮጵያ ምስ ቆመት፡ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ብሰንክ’ቲ ዝነበሮም ታሪኻዊ ቝርቍስ፡ ንሶማል ከም ቀንዲ ሻቕሎቶም ርእዮምዋ። ኣብ ኦጋዴን ዝርከቡ ሶማላውያን ንገዛእርእሶም ሓንቲ መዓልቲ’ዃ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ርእዮምዋ ኣይፈልጡን እዮም። እኳድኣ ከም ኣካል ናይቶም ኣብ ሶማል ዝርከቡ ኣሕዋቶም’ዮም ዝርእይዋ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ዝርከቡ ሶማላውያን።  ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ብዙሕ ረቛሒታት፡ ገለ ካብኡ ባህግታት ሶማላውያን፡ ሽግራት ጐረባብቲ ሃገራት ከም ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ሶማል ሽግር ኣምጺኡ። ጂቡቲ በቲ ዘሎዋ ፍሉይነትን ህላወ ፈረንሳን ንጎኒ ገዲፍና፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኬንያን ግን ንሶማላውያን ከም ምንጪ ሻቕሎቶም’ዮም ዝርእይዎም። ኣነ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ብዛዕባ ስርዓታት ኣዲስ ኣበባ እምበር። እቶም ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ሶማል ንሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ከም ሓደገኛ ገይሮም ከርእይዋ ጸኒሖም። ከምኡ’ውን ተኸታተልቲ ስርዓታት ኬንያ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኣሎዎም። ስለዚ መድረኽ ዝሑል ኲናት ኣብዘን ሃገራት እዚአተን ሽግር ዓባይ ሶማል ዝበሃል ውጽኢት ኣምጺኡ። ኣብ ጂቡቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሻቕሎት ትሑት ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ምምጻእ ናጽነት ጂቡቲ ግን እቲ ሽግር ተላዒሉ። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ 1964ን 1977 ውግኣት ተኻይዱ ነይሩ። ካብቲ ኣብ መንጎ ጂቡትን ሶማልን፡ ኬንያን ሶማልን ዝነበረ ቝርቝስ ከኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝነበረ ዝበርተዐን ሓደገኛን ነይሩ። እዚ ቝርቝስ እዚ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝተፈልየ ነይሩ። እዚ ሻቅሎት’ዚ ክሳዕ ምብቃዕ መድረኽ ዝሑል ኲናት 1990 ቀጺሉ እዩ። ስርዓት ፕረዚደንት ስያድ ባረ ምስ ወደቐ ግን፡ ኣብ ምብትታን ሶማል ዞባዊ ረቛሒታት ግደ ነይርዎ። ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጕዳይዚ ዓቢ ተራ ተጻዊታ። ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ወዲቑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ስርዓት ምስ መጸ፡ ኢትዮጵያውያን ምስ ሶማላውያን ሓድሽ ዝምድና ክፈጥሩን ኣብ ዝምድና ኽልቲአን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍቱን ንትስፎ ኔርና። ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ ዝርዝር ክኣቱ ኣይደልን እየ። እንተኾነ ብሓፈሻኡ እቲ ዘሕዝን ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣዊ ሽግራቱ ተበጊሱ፡ ኵነታት ሶማልን ኵነታት ኦጋዴንን ከም ኣካል ሽግር ሃገራዊ ጸጥታኡ ገይሩ ክርእዮ ጀሚሩ። ልክዕ’ዩ ኣብቲ ግዜ’ቲ ሶማል ብውሽጣዊ ሽግራት ትሕመስ እያ ነይራ። እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ሽግር ካብ ጐረባብቲ ሶማል ዝኾና ሃገራት’ዩ ዝመጽእ ነይሩ። ምናልባት ኣብቲ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጂቡትን ዝጻወትኦ ኣሉታዊ ተራ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ብሓፈሻኡ እዘን ጐረቤት ሶማል ዝኾና ሃገራት፡ ውድቀት ሃገረ ሶማልን ውሽጣዊ ምብትታናን ንረብሓአን ከም ዘገልግል ገይረን እየን ዝርእያኦ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ስያድ ባረ፡ ነቲ ጕዳይ ዝሓላልኽ ዝነበረ ኸኣ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ እዩ። ልክዕ’ዩ ስርዓት ፕረዚደንት ስያድ ባረ ውሽጣዊ ሽግራት ነይሩዎ እዩ።  ነበርቲ ሶማሊ ላንድን (ምድረ ሶማል) ካልኦትን ናይ ኣድልዎ ሜላ ብዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ጸገማት፡ ተረሲዕና ዝብል ስምዒት ኣማዕቢሎም እዮም። ስያድ ባረ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ውግእ ምስ ተሳዕረ ኸኣ፡ ናይ ተሰዓርነት ስምዒት ስለ ዝማዕበለ ውሽጣዊ ምፍንጫላት ኣስዒቡ። እዚ ዅሉ ተደማሚሩ ድማ ንሽግር ሶማል ሓላሊኹዎ። ብርእይቶይ ግን እቲ ቐንዲ ዞባዊ ረቛሒ’ዩ ነይሩ። ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ወገን ትጽቢት ዘይገበረሉ ምብትታን ሶማል ዝብል ፖሊሲ ተኸቲሉ። ስርዓት ኬንያ’ውን ኣብቲ ጕዳይ ብምጽንባር ኣብ ምብትታን ሶማል ሰሪሑ። ጽቡቕ ዕድል ናይዘን ሃገራት እዚኣተን፡ ሕማቕ ዕድል ሶማልን ዞባናን ኮይኑ ድማ ፍጻመታት 11 መስከረም 2001 መጺኡ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጕዳይ ሶማል ክትኣቱ ጀሚራ። ልክዕ’ዩ ዋሽንግተን ንሓደ ፍሉይ ኵነታት ኢላ ቅድሚኡ’ውን ምትእትታው ገይራ ነይራ። እንተኾነ እቲ ምትእትታው ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ፍሽለት ስለ ዘስዓበሎም፡ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ቐጥታዊ ዘይኮነ፡ ብዞባውያን መሳርሒታታቶም ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጂቡትን ኣቢሎም ምትእትታው ክገብሩ’ዮም ወሲኖም። ኣመሪካ ነዚ ፖሊሲ’ዚ ብምጽዳቕ ድሕሪ ፍጻመ 11 መስከረም ብግብሪ ክትሰርሓሉ ጀሚራ። ብኸምዚ ኣገባብ’ዚ ኽኣ ተርእዮ ግብረ ሽበራን ምምካት ግብረ ሽበራን ዝበሃል መጺኡ። ሶማል ድማ ኣካል ናይዚ ካርታ እዚ ኾይና። እዚ ዅሉ ከኣ ኾነ ኢልካ ዝተማሃዘ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ መጠረሽታ ንሶማል ምስ ናይ ኬንያን ታንዛንያን ግብረ ሽበራዊ ስርሒታት ብምትሕሓዝ ንዞባና ኸም እተስግእ ሓደገኛ ሃገር ኣምሲልካ ምቕራብ ብኣህጉራውያን ሓይልታት ዝተወጠነ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ረብሓታቶም ከምኡ ስለ ዝእዝዝ። ናይ ዓበይቲ ሓይልታት ኣጀንዳ ንምትግባር ድማ የገልግል ማለት እዩ። እዚ ኣህጉራዊ ረቛሒ’ዚ ንጕዳይ ሶማል መሊሱ ሓላሊኹዎ እዩ። ሎሚ ሽግር ሶማል ውሽጣዊ ሽግር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ዞባን ናይተን ኣካል ናይቲ ሽግር ኮይነን ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ሶማልን ኮይኑ ኣሎ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ንተርእዮ ግብረ ሽበራን ምምካት ግብረ ሽበራን ይምዝምዝኦ ኣለዋ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ኣብ ናይ ወጻእን ናይ ኣመሪካን ሓገዛት እየን ዝምርኰሳ።  ዝኾነ ነገር ንምፍጻም ሶማል ግዳይ ኮይና ኣላ። ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጂቡትን መመኽነይታ ውሽጣዊ ሽግራቶም ገይሮማ ኣለዉ።  ብዘይካ’ዚ  ጸጋታት ሶማል ሃብቲ ባሕሪ፡ ማዕድን፡ ሕርሻ፡ እንስሳን ካልእን ንምዝማት ሽግር ሶማል ቀንዲ ናይ መመዝመዚ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዅሉ ጸጋታት’ዚ ኽኣ በዘን ሃገራት እዚኣተን ይዝመት ኣሎ። ሶማል ካብ ከባቢኣ ክትንጸል ኣይግባእን፡ ዝብል መርገጺ ጸኒሑናን ኣሎን። ሽግር ሶማል ንምፍታሕ ድማ ንሶማላውያን ክግደፍ ይግባእ። እቲ ዓቢ ጸገም ግን ንሶማል ክበታትኑን ናብ ትርጕም ዘይብለን ከም ምድረ ሶማል፡ ምድረ ፑንት፡ ምድረ ጁባ፡ ምድረ በናዲርን ካልኦትን ክመቓቕልዋን ዝደልዩ ዞባውያን ሓይልታት ምህላዎም እዩ። ዝኾነ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ወገን ንሶማል ክበታትን መሰል የብሉን። ምብትታን ሶማል ድማ ኣብ ርግኣት ዞባና ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሎዎ። ንዅነታት ሶማል ብምግናን፡ ንሃገራዊ ጸጥታ ናይዛ ሃገር እዚኣ ሓደገኛ’ዩ ወይ ጸጥታ ዋሽንግተን ምስ ኵነታት ሶማል ዝተኣሳሰረ’ዩ እናበለካ ምዝራብ ግን ጕዳይ ፈጢርካ ኣጀንዳኻ ኣብቲ ዞባ ንምትግባር እምበር ካልእ ትርጕም የብሉን። ናይዚ ጕዳይ’ዚ ሕልኽላኻትን ዕብየትን ብዘየገድስ ድማ መርገጺና ንጹር እዩ። ምብትታን ሶማል ንሶማላውያን ዘርብሕ ስለ ዘይኮነ፡ ሓድነታ ዓቂባ ክትቅጽል የድሊ። መላእ ሃገራት ዞባናን ጐረባብቲ ሶማል ዝኾና ሃገራትን’ውን ካብ ምብትታን ሶማል ዝረብሓኦ የልቦን። ህዝብታት ኢትዮጵያን ኬንያን ካብ ሶማላውያን ዝመጽኦም ስግኣት የልቦን። ብዛዕባ ስግኣታት ዝዛረቡ ዘለዉ እቶም ስርዓታት ጥራይ እዮም። ጐረባብቲ ሃገራት ኣካል ሽግር ሶማል ይኾና ስለ ዘለዋ፡ ኣብ ጕዳይ ሶማል ኢደን ከእትዋ ኣይግባእን።  ከም ግቡእ ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ሽግር ሶማል ንምፍታሕ ዞባዊ መሳርሒ ክኸውን ይግባእ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ሽግር ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ፡ ኣብ መጀመርታ ተበግሶ ዝወሰደ ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት  ብኸምቲ ዝተነብረሉ ሓላፍነት ተራኡ ክጻወት ኣይከኣለን። ኣብ መጠረሽታ ከኣ ንናይ ካልኦት ሓይልታት ዘገልግል ጽላል ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ። ኣብዚ ግዜ’ዚ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት  ጐረባብቲ ሃገራት ሶማል ዝእከብሉን ብውልቂ ይኹን ብሓባር ረብሓታቶም ንምዕዋት ዘሳልጥሉን ክለብ ጥራይ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። መርገጺና ግን ቀዋሚ ዘይልወጥ እዩ። ኵሎም ወጻእተኛታት ኢዶም ካብ ሶማል ከልዕሉ ኣለዎም። ሽሕ’ኳ ገለ ሶማላውያን ተፈልዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክህልዎም ዝደልዩ እንተለዉ፡ ንሶማላውያን ብሓባር ምቹእ ሃዋህዉ ክፍጠረሎም የድሊ። ሶማላውያን ባዕላቶም ዝደልይዎ ንኽውስኑ ብቐዳምነት ጥጡሕ ሃዋህው ክረጋገጸሎም ይግባእ። ሶማላውያን ፈደራዊ ኮንፈደራዊ ወይ ከኣ ትርጕም ዘይብለን ፍንጫላት ክፍላተ-ሃገር ክመርጹ እንተ ኾይኖም ንዕኦም ዝግደፍ ምርጫ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ንሶማላውያን ዕድል ምሃብ እዩ። ናይ ወጻኢ ምትእትታው ገደብ ክግበረሉ ይግባእ። ንሶማላውያን ጽቡቕ ዝደሊ ወገን ሽግሮም ባዕሎም ንኽፈትሕዎ ክሕግዞም የድሊ። መተካእታ ሶማላውያን ኮይኑ ተኣምራታዊ መፍትሒ ከምጽኣሎም ግን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ጕዳይ ሶማል እቲ ቐንዲ ብድሆ ዘይንጹርነትን ነገራት ኣብ ነንሓድሕዱ ምጥንናጉን ሓቀኛ ዘይኮነ ምስሊ ምሃብን፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ምቕራብ ንነገራት ዝሓላልኹ መተካእታ ምቕራብን ዝኣመሰለ እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ መርገጺና ምንም’ኳ ምስ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ካልኦትን ኣብ ግጥም እንተ ኣእተወና፡ ዘይልወጥ መትከላዊ ታሪኻዊ መርገጺ እዩ። ኣብኡ ከኣ ጸኒዕና ኣለና። እዚ መርገጺና’ዚ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ ዘይልወጥ መርገጺ እዩ። ንዅሉ ናይ ዞባውን ኣህጉራውን ምትእትታውን ካብ ፖለቲካዊ ሜዳ ሶማል ኣውጺእካ ንሶማላውያን ንበይኖም ምግዳፍ እንተ ዘይኮይኑ ድማ ካልእ መዋጽኦ የልቦን። ሶማላውያን ሃገሮም ዘውሕስን ንቐርሰና ዝምክትን ንመስርሕ ዝምታ ጸጋታት ሶማል ደው ከብል ዝኽእልን ኣድማዒ መንግስታዊ ትካላት ምእንቲ ክሃንጹ  ክሕገዙ ይግባእ። ሶማል ኣካል ናይ ቅሱንን ዝመላላእን ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን የድሊ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት መጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ፣ ኢትዮጵያ ናበይ ገጻ’ያ እትጕዓዝ ዘላ?

መልሲ፡- ኢትዮጵያ ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ፡ ኣነ ኣብ ግምታት ክኣቱ ኣይደልን እየ። እንተኾነ  ኢትዮጵያ ናብቲ ንኣዲስ ኣበባ ዘመሓድር ዘሎ ጕጅለ ወያነ ዝወጠኖ መኣዝን ገጻ ትኸይድ ኣላ ክብል እኽእል። እዚ ጕጅለ’ዚ ከኣ ሕጂ ይኹን ቅድም ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ፍጹም ረብሓ የብሉን። ካብ ሰብዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ እዚ ሕጂ መሪሕነት ኢትዮጵያ ሒዙ ዘሎ ጕጅለ ዘውጽኦ ፕሮግራም እንተ ረአና፡ ኣብ ትግራይ ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ነዚ ኣረኣእያ’ዚ ንምልዋጥን ኣብ ውሽጢ ፕሮግራም ሓንቲ ኢትዮጵያ ንምእታዎምን ዘይሕለል ቃልሲ ኣካይድና። ይኹን’ምበር እቲ ኣተሓሳስባ ሕጂ’ውን ገና ኣይጠፍአን ኣሎ። እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ንኢትዮጵያ ንምብትታን ምእንቲ ክኽእል ምቹእ ሃዋህው ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ። ኢትዮጵያዊ ሃገራዊ ስምዒት የብሉን። ንኣብነት ቅዋም ኢትዮጵያ እንተ ረአና፡ ብፍላይ ከኣ ዓንቀጽ 39 ክሳብ ምንጻል ዝኸይድ መሰል ርእሰ ውሳነ ዘፍቅድ እዩ። ከምዚ ዓይነት ምዕራፍ ዘሎዎ ቅዋም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም የልቦን። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እቲ ስርዓት ዝተኸተሎ ፖሊሲታት ምስ እንርኢ፡ ንኦሮሞ፡ ዓፋር፡ ሶማላውያን፡ ተጋሩን፡ ኣምሓሩን ካልኦት ብሄራትን ኣብ ምብትታንን ምቍጽጻርን ከም ዝተዓወተ ዘረድእ እዩ። እቲ ጕጅለ በቲ ዝተኸተሎ ፖሊሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ዞባታት ተመቓቒላ እያ ዘላ። እዚ ክውንነት’ዚ ናብ ረጽሚ ከምርሕ ይኽእልዶ? እዚ ፖሊሲታት’ዚ ናይ ወጻኢ ምትእትታው እንተ ዘይመጽእ ነይሩ ናብ ውሽጣዊ ረጽሚ ከእቱ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን 12 ዓመታት ዝረአናዮ ምግልባጥ ፖሊሲታት፡ ማለት ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ኣብ 1998 ምስ ኤርትራ ናይ ዶብ ሽግር ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣብ ናይ ኣመሪካን ኣህጉራውያን ሓይልታትን መሰረታዊ ሓገዝ ዝምርኰስ እዩ ነይሩ።  እቲ ዘገርም እዚ ስርዓት’ዚ ህላወኡ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ከውሕስ፡ ናይ ኣህጉራውያን ሓይልታት ኣጀንዳ ኣብ ዞባና ዝትግብርን ንናይ ደገ ሓይልታት ናጻ ኣገልግሎት ዝህብን ምዃኑ እዩ። እዚ ካብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዝቐጸለ ፖሊሲ’ዚ ብመጠኑ ተዓዊቱ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳዕ መወዳእታ ዝቕጽል ግን ኣይኮነን። ክውንነት ኢትዮጵያ ብኸምዚ ዘለዎ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ብናይ ወጻኢ ሓገዛትን ምድግጋፍን ግዜ ንምዕዳግ ዝግበር ፈተነታት ወጽኢት ዘይርከቦ ግጉይ ምርጫ እዩ። ቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ንምውሓስ፡ ናይ ዶብ ሽግር ምስ ኤርትራ፡ ሽግር ሶማል፡ ጕዳይ ቐርሰና፡ ግብረ ሽበራን ካልእ፡ ኣጀንዳ ኣህጉራውያን ሓይልታትን ቀንዲ መሳርሒኡ እዮም። ስርዓት ኢትዮጵያ በዚ ኣገባብ’ዚ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስልጣን ቀጺሉ ኣሎ። ህላወኡ ግን ግዝያዊ እዩ። ንዅሉ ነገራት ብህድኣትን ብታሪኻውን ፖለቲካውን ክውንነቱ ክንርእዮ ይግባእ። እዚ ዅሉ ረቛሒታት’ዚ ክቕጽል ድዩ? ተመኵሮ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ካልኦት ናይ ዓለም ተመኵሮታት ነባሪ ዝበሃል ነገር የልቦን። ናይ ንኡስ ብሄር ዓብላሊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዝበዝሑ ብሄራት ስልጣኑ ኽቕጽል ኣይክእልን’ዩ። ንዝበዝሑ 90% ብሄራት ኣርሒቕካ፡ ንትካላት መንግስቲ ብሓይሊ ምቝጽጻር ዘንብር ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ስርዓት ዕድመኡ ውሱን እዩ። ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ውዲታትን ናይ ምብትታንን ምንቛትን ዕላማን ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላን ዕምሩ ነዊሕ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምምርኳስ’ውን ዕድመ የብሉን። ብዘይ ደረት ንወለዶታት ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። እዚ ብሓይሊ ተደጕሉ ዘሎ እሳተ-ጎመራ ኣብ ግዜኡ ግድን ክትኰስ እዩ። መዓስ ከም ዝነቱግ ንመጻኢ ዝግደፍ ጕዳይ እዩ። ብርግጽ ግን ብዅሉ ዓቕሞም ንግዚኡ ዓጊቶሞ ዘለዉ እሳተ-ጎመራ ኢዩ። ስለዚ ብዙሕ ክንርኢ ኢና። በዝን በትን ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓወታት ከም ዘሎዎ ይመስል ይኸውን። ከምኡ’ውን ህልው ዞባዊ ዅነታት ንኸም ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ከም ዝቕጽሉ የምስሎም ይኸውን እዩ። ቅድሚ’ዚ ስርዓት’ዚ ከም ናይ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ርኢና ኢና። ዓርሞሽሽ ስርዓት ይበሃል ነይሩ። ክወድቕ ዝኽእል ስርዓት ስለ ዘይኮነ፡ ኤርትራ ናጻ ናይ ምውጻእን ንውሽጣዊ ዅነታት ኢትዮጵያ ናይ ምልዋጥን ተኽእሎ የልቦን ይበሃል ነይሩ። ብድሕሪኡ ዝመጽአ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ነይሩ። እዚ ዅሉ ግን ሕሉፍ ዛንታ ኾይኑ። ስርዓት መንግስቱ ወዲቑ። እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት’ውን ዕድመኡ ንምንዋሕ ዝተፈላለየ ከንቱ ፈተነታት’ኳ እንተካየደ ዕምሩ ውሱን እዩ። ናይ ሓደ ዝተወሰነ መድረኽ ተመኵሮ ብምውሳድ ዝወድቕ ስርዓት ኣይኮነን፡ ናብ ዝብል መረዳእታ ምብጻሕ ዝዓበየ ጌጋ እዩ። ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ስርዓት ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ሓድሽ ምህዞ ዝበሃል የልቦን። ንኣብነት ስርዓት ሃይለስላሰ እንተ ወሰድና ናይ ወጻኢ ሓገዝ እንተ ዘይረክብ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ቓልስታት ህዝቢ ኤርትራን ህዝብታት ኢትዮጵያን ደው ክብል ኣይምኸኣለን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን መሰረት ዘይብሉ ስርዓት፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት’ዩ ዝምርኰስ። ስርዓት ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም’ውን ናይ ዝሓለፈ ስርዓት ኣሰር’ዩ ተኸቲሉ። እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት’ውን እንተኾነ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝረአናዮ ይደግም ኣሎ። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ፡ ናይ ሓደ መጽሓፍ ሓደ መስመር ጥራይ ኣንቢብና ናብ መደምደምታ ክንበጽሕ ከም ዘይግባእ እዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ ኣብ ውሽጡ ንመጻኢ ዕድል ናይቲ ስርዓት ዘብርሃልና ብዙሕ ምዕራፋትን ኣርእስታትን ዝርዝራትን ስለ ዘሎዎ። መጻኢ ናይዚ ስርዓት’ዚ ጸልማት መጻኢ እዩ። ዝኾነ ብኸምዚ ስነ-ሓሳብ ዝምራሕ ስርዓት ዕድመኡ ሓጺር እዩ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ብምብዳህ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጐቢጡ ኣሎ። መፍትሒ ናይዚ ሽግር’ዚ እንታይ’ዩ ትብል?

መልሲ፡- ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገለጽክዎ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ መሳርሒ ሓይልታት ወጻኢ ኮይኑ’ሎ።   ጕዳይ ዶብ ሓደ ካብቲ ወጥሪ ንምፍጣር ዝመጸ’ዩ ነይሩ። ምናልባት ንረብሓ ስርዓት ኢትዮጵያ ተባሂሉ መጺኡ ይኸውን እዩ። ንምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከም ሓደ ምኽንያት ተባሂሉ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ዳንነት ኬድና፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ስግኣት ከኣ፡ ኤርትራ እንተደኣ ርግኣት ረኺባ፡ ህዝባ ምንጪ ስግኣት ናይዞም ሓይልታት እዚኣቶም ክኸውን’ዩ ዝብል እዩ። ስለዚ ኸኣ ተኸታታሊ ሽግራት ክትፈጥረሉ ኣሎካ ማለት እዩ። እቲ ውሳነ ምስ ኵሉ ዝነበሮ ዓመጻት ምስ ሓለፈ፡ ብዘይካ ምቕባሉ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ከም ቀያድን ናይ መወዳእታን ይግባይ ዘይበሃሎን ንኽንቅበሎ ኣቐዲምና ዝተሰማማዕናሉ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ከኣ ፈቲና ጸሊእና ክንትግብሮ’ዩ ዝግባእ። ንኣብነት እቲ ስምምዕ እንተ ዝትግበር ነይሩ ካልእ ሃዋህው ምተፈጥረ ነይሩ። ንድሕሪት ተመሊስና ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኣብ 2002 እንተ ዝትግበር እንታይ ሲናርዮ ምመጸ ዝብል ሓሳብ ምስ እነቕርብ፡ ኤርትራ ንቕድሚት ናይ ምምራሽ ዕድል መጋጠመ። ኵሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝፈርህዎ ከኣ ንሱ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጕዳይ ግስጋሰ ኤርትራ ንምዅላፍ ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ስለ ዝነበረ። እቲ ውሳነ’ውን ከም ካልእ ሽግር ኮይኑ መጺኡ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ሽግር ከይፈጠሩ ክድቅሱ ኣይክእሉን እዮም። ነቲ ስምምዕ ዘይምትግባር ከኣ ፖለቲካውን ቍጠባውን ግስጋሰ ናይዛ ሃገር ንምዕጋት ተባሂሉ እዩ። ካልእ ተወሳኺ ሽግራት ንኤርትራ ምፍጣር ዝብል’ውን ኣካል ናይቲ ውጥን ኣሎ። ምናልባት በዚ ጕዳይ’ዚ ነቲ ቕድሚ ዓመት ብኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝወጸ ንኤርትራ ዝእግድ ውሳነ ክጥቀስ ይከኣል። ንኤርትራ ንምእጋድ ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ምንታይ መመኽነይታ ተመርኲሱ እዩ? እቲ ጕዳይ ኤርትራ ንገዛእ ርእሳን ረብሓታታን ንኽትከላኸል ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ንምብጻሕ ዘንቀደ እዩ። ስለምንታይ መጺኡ’ቲ ውሳነ? እቲ ውሳነ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይነበረን። ምዕባለ ኤርትራ ንምዕንቃፍ ዝካየድ ተኸታታሊ ዕንቅፋታትን መሰናኽላትን እዩ። ኣነ ነዚ ንምዕባለና ንምዕንቃፍ ዝዳሎ ውዲታት ግዝያዊ’ኳ እንተኾነ ኣቃሊለ ኣይርእዮን እየ። እቶም ነዚ ውሳነ ዝወጠኑ ወገናት፡ ኣቐዲሞም ውሳነ ንምሕላፍ ዘኽእሎም ምኽንያታት እዮም ምሂዞም። ብዛዕባ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ሶማል፡ ዝተሰንዐ ዶባዊ ሽግር ኤርትራን ጂቡትን ዝብል ዘረባታት ኣምጺኦም። እቲ መሰረታዊ ዕላማ ድማ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ሽግር ምፍጣርን ቍጠባውን ፖለቲካውን ውድቀት ፈጢርካ ንኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ካርታ ንምውጻእን ዝዓለመ እዩ። ደረጃ ብደረጃ ዝትግበር ውጥንን ስትራትጅን እዩ። ብደብዳበታት ዊኪሊክስን ኣምባሳደር ኣመሪካን ዝለሓዀ ሰነዳት እንተ ረአና፡ እዞም ኤርትራ በቲ ዝምህዝዎ መሰናኽላት ክትወድቅ ትኽእል እያ ኢሎም ዝሓስቡ ወገናት፡ ስነ ኣእምራዊ ሕማም ከም ዘለዎም ኢና ኣብ መደምደምታ ክንበጽሕ እንኽእል። ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኵሉ ዓቕሙ ተጠቒሙ ውሳነ ቝጽሪ 1907 ከሕልፍ ከሎ፡ ዕላማኡ ንውሽጣዊ ዅነታት ኤርትራ ንምድኻምን ፖለቲካዊ ውድቀት ንምስዓብን እዩ ነይሩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሃይማኖታዊ ግርጭታት ኣብ መንጎ ክርስትናን ምስልምናን፡ ኣብ ውሽጢ ክርስትና እውን ዞባዊ ስምዒታትን ተቓውሞን ከም ዘሎ ኣምሲሎም ብቐጻሊ ይዛረቡ ነይሮም። እዚ ብዘይካ’ቲ ቝጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ካልእን እገዳ ንምግባር ዝገብርዎ ፈተነታት ማለት እዩ። ናይዚ ዕላማኸ እንታዩ ነይሩ? ነፍስ ወከፍ ዘካየድዎ ፈተነታት ምስ ፈሸሎም፡ ኣብ ካልእ ፈተነ እዮም ዝኣትዉ። እዚ ዘረደኣና ነገር እንተሎ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዕላማኦም ክሳዕ ዘረጋግጹ ክድቅሱ ከም ዘይኮኑ እዩ። እንተኾነ ዝኾነ ዘካይድዎ ፈተነታትን ዕንቅፋታትን ከቶ ክዕወት ኣይኮነን። ዶባዊ ሽግር ብዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍታሕ’ዩ ክብል ኣይክእልን እየ። ብድሆታት እናተደራረበ እንተደኣ ኸይዱ፡ ንኤርትራ ሽግር ክፈጥረላን ከዳኽማን ከም ዝኽእል ገይሮም ዝግምቱ ኣለዉ፣ ይኹን’ምበር ኤርትራ ብድሆታት ኣብ እትገጥመሉ እዋን ሓይሊ ህዝብን መንግስትን መሊሱ እዩ ዝስውድ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዅነታት ንኤርትራ ዝበለጸ ኾይኑ ኣሎ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ጕዳይ ዶብ ንዓና ሓደ ካብ ቀዳምነታትና ድዩ? ሓደ ካብ ቀዳምነታትና ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመሰረት ሕግታት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቍርቍስ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሱ ክስዕራ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ስዕረት’ዚኸ መዓስ’ዩ ክመጽእ? ብውሽጣዊ ምዕባለታት ድዩ ወይስ ብጸቕጥታት ኤርትራ? በቲ ንዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣካቢቡ ዘሎ ዅነታትዶ ወይስ ብኣህጉራዊ ዅነታት? ምናልባት ብዙሕ ትንታነታትን ዝርዝራትን ክነቕርብ ንኽእል ንኸውን። ዝተፈላለዩ ሲናርዮታት’ውን ይህልዉና ይኾኑ። እቲ ርጉጽ ነገር ግን፡ እዚ ስርዓት እዚ ብኢዱ ንነፍሱ ንስዕረት ከቃልዓ ምዃኑ እዩ። ሓድሽ ሜላታትን ኣገባባትን ምቕራቡ ድማ፡ ቍሩብ ዕድመኡ ንምንዋሕ እምበር ካብ ስዕረት ንምድሓን ኣይኮነን። በዚ መንጽር’ዚ ከኣ ንታሪኽ ከነንብቦ ይግባእ። ስለዚ ድማ ትዕግስቲ ክህልወና የድሊ። ብወገንና ቐጥታዊ ጽልዋ ከይገበርና ነገራት ክምዕብል እዩ። ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ከኣ መሬትና ካብ ጐበጣ ሓራ ክኸውን እዩ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት፡ ሓደ ካብቲ ዝጠቐስካዮ ምህዞታትን ምትእትታውን፡ እቲ ኤርትራ ብልዑል ልቦና ዝተቘጻጸረቶን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብመንጎኝነት ቐጠር ዝተታሕዘን፡ ኣብ 2008 ጂቡቲ ምስ ኤርትራ ናይ ዶብ ሽግር ኣሎንኒ ዝበለቶ እዩ። መንጎኝነት ቐጠርከ ኣበይ በጺሑ ኣሎ?

መልሲ፡- ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ግልጺ ምእንቲ ክኸውን፣ ብጌጋ ንመንግስቲ ጂቡቲ ወይ ንህዝቢ ጂቡቲ ኽንሓሚ ኣይግባእን። ጂቡትን ህዝባን ጐረቤትናን ኣካል ዞባናን እዮም። ስለዚ ከኣ ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ግጉይ መረዳእታ ክህልወና ኣይግባእን። ነዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ ውሽጢ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ክንርእዮ የድሊ። ናይ ወጻኢ ኣጀንዳ እንተ ዘይህሉ ነይሩ እዚ ጕዳይ እዚ’ውን ኣይምነበረን። ብሰንኪ ጂኦግራፍያዊ ኣገዳስነት ጂቡቲ፡ እዚ ናይ ወጻኢ ኣጀንዳ ንጂቡቲ ከም መበገሲ ወሲዱ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ናቱ ውጥን ገይሩ ኣሎ።  እዚ ኣብ ባይታ ናቱ ህላወ ፈጢሩ ዘሎ ስለ ዝኾነ ትንታነታትን መግለጽን ዘድልዮ ኣይኮነን። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ነዚ ናይ ውሽጢ ምትእትታው
እትነጽግ ሃገር’ያ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ኵነታት ሶማልን ሱዳንን እንተ ረኣና’ውን ኣብ ውሽጥ’ዚ ስትራተጂ’ዚ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ነዚ አጀንዳ’ዚ ዘገልግል ድማ ስርዓት ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ዞባና ዘለዉን እዮም። እቲ ውጥን ንዅነታት ዞባና ብምትሕልላኽን ሽግር ብምፍጣርን ነቲ ሽግር ንምምሕዳር ዝዓለመ እዩ። ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ብቐረባ ይኹን ብርሑቕ ጂቡታውያን ኢድ የብሎምን። ኣነ ንቐለዓለም ኢለ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ንመንግስቲ ጂቡቲ ከሓምዮ ኣይደልን እየ። ጂቡቲ ናታ ፍሉይነት ኣሎዋ። ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ዝተስገደደ ኣጀንዳ ኣሎ። እቲ ዝተስገደደ ኣጀንዳ ኸኣ ንጂቡቲ ከም መበደሲ ተጠቒሙ ካብ ደገ ዝመጽአ’ዩ። ፈረንሳውያን ድሕሪ ናጽነት ጂቡቲ ብቐጻሊ ናቶም ህላወ ኣብ ጂቡቲ ኣሎዎም። ህላወ ፈረንሳውያን ኣገዳስነት ዘይነበሮ እዃ እንተኾነ፡ ብእኡ ተሻቒልና አይንፈልጥን ኢና። ኣብ ርእሲኡ’ውን ፈረንሳውያን ኣዎንታዊ ተራ ነይሩዎም። ምኽንያቱ ኣብ ጂቡቲ ርግኣት ይፈጥሩ ስለ ዝነበሩ። ከምኡ’ውን ብህላወ ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ፡ ኣብ ዞባና ዝወረደ ጕድኣት ኣይነበረን። ድሕሪ 11 መስከረም ግን ኵነታት ፍጹም ተለዊጡ። እቲ ጕዳይ ከኣ ንዅሉ ብሩህ እዩ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ብተኸታታሊ ንኤርትራ ንምዕንቃፍ ዝግበር ዝነበረ ውዲታት ድማ እዚ ጕዳይ’ዚ መጺኡ። እዚ ዝተሰንዐ ዶባዊ ሽግር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሚያዝያ 2008 እዩ ብሃንደበት መጺኡ። ንሕና ግን ንከታተል ስለ ዝነበርና እቲ ጕዳይ ብጂቡቲ ዘይኮነስ ብናይ ወጻኢ አጀንዳ ከም ዝመጽአ አስተውዒልናሉ። ኣብ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመታት ከኣቱ ኣይደልን እየ። እንተኾነ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገ’ለ ነቲ ጕዳይ ኣብ ክንዲ ኣብ ሚያዝያ 2008 ንአሚር ቐጠር ዘቕርበሉ፡ ብቐጥታ ምሳይ ክዘራረብ ይኽእል ነይሩ’ዩ። ኣሚር ቐጠር ብግርህና ናይ ዶብ ሽግር ዘሎ ስለ ዝመሰሎ፡ ምሳይ ብምርኻብ ምስ ጂቡቲ ሽግር ኣሎኩም ክብል ሓቢሩኒ። እዚ ጕዳይ’ዚ ካበይ’ዩ መጺኡ? ብምባል ድማ ተወኪሰዮ። ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገ’ለ ምስ ኤርትራ ናይ ዶብ ሽግር ኣሎንና ክብል ከም ዝገለጸሉ ኸኣ ሓቢሩኒ። ኣነ ድማ ብቕንዕና ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገ’ለ ጐረቤተይ እዩ፣ ካባኻ ንዓይ ይቐርብ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ምሳኻ ዝዘራረብ ብቐጥታ ምሳይ ክዛረብ ምተገበኣ፡ ናይ ዶብ ሽግር ኣሎ እንተደኣ ኾይኑ ድማ፡ ብኽልተኣዊ ደረጃ ኽንፈትሖ ንኽእል ኢና፣ ምስ በልክዎ፡ ኣሚር ቐጠር ይቕሬታ ብምባል፡ ፕረዚደንት ዑመር ገ’ለ ስለ ዝሓበረኒ እምበር፡ ከምቲ ዝበልካዮ፡ እቲ ዝበለጸ ብኽልተኣዊ ደረጃ ኽትፈትሕዎ ይግባእ ኢሉኒ። እንደገና ፕረዚደንት ገ’ለ ምሳይ ብቐጥታ ኽዘራረብ ምተገብኣ፣ እቲ ሽግር ከኣ ካብ መሰረቱ ኸመይ እዩ? ምስ በልክዎ፡ ካልእ ግዜ ክረኽበኒ ምዃኑ ገሊጹለይ። እቲ ዘጋጠመ ድማ ኣጋጢሙ። ኣብቲ ኻልኣይ መዓልቲ ፕረዚደንት ገ’ለ ምስ ሰራዊቱ ኣብ ዶብ መጺኡ። ኣነ ብወገነይ በቲ ዝተፈጸመ ንፕረዚደንት ገ’ለ ኣይሕዘሉን፣ ከም ጕዳይ’ውን አይርእዮን እየ። ብድሕሪ’ዚ ካብ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ’ቲ ዝተሰንዐ ዶባዊ ሽግር መግለጺ ምስ ወጸ፡ እቲ ጕዳይ ተቓሊዑ። ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከመይ ገይሩ’ዩ ኸምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ኣውጺኡ? ምናልባት’ውን ናይቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝተኻየደ ዝርዝራት ዊኪሊክስ የወጽኦ ይኸውን። ምኽንያቱ ዊኪሊክስ ናይ ኵሉ’ቲ ፍጻመታታትን ሓቅታታት መወከሲ ኾይኑ ስለ ዘሎ። ምናልባት ነገራት ከመይ ይኸዱ ነይሮም ኣይንፈልጥን ኔርና ክንከውን ንኽእል ኢና። ሕጂ ግን እቲ ሰነዳት ብቐሊሉ ዝርከብ ኮይኑ ኣሎ። ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሃንደበት ኤርትራ መሬት ጂቡቲ ጐቢጣ’ላ ዝብል መግለጺ ከውጽእ ዲፕሎማስያዊ ይኹን ሕጋዊ መመኽነይታ የብሉን። ሓንቲ ተክኖሎጅያውን ኢንዱስትሪያውን ምዕባለ ዘሎዋ ዓባይ ሃገር ከመይ ገይራ’ያ ከምዚ ዓይነት መግለጺ እተውጽእ?! እቲ ጕዳይ ንዝምልከቶም ወገናት ምግዳፉዶ ኣይምበለጸን? ወይ ድማ በቲ ፍሉጥ ኣገባባት ነቲ ጕዳይ ከጻርዩዎ ነይሩዎም። ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከመይ ገይሩ’ዩ ብኸምዚ ሕሱር ኣገባብ መግለጺ ከውጽእ ዝኸኣለ? ስለዚ ከኣ እቲ ጕዳይ ካብ መጀመርታ መዓልቲ ብሩህ እዩ ነይሩ። እቲ ዝወጽአ መግለጺ ድማ ንዲፕሎማስያዊ ትምክሕቲ ዋሽንግተን ጥራይ’ዩ ዘብርህ። ብወገነይ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዕሽነት ጥራይ’የ ዝብሎ። ምምሕዳር አመሪካ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ንኤርትራ ኣብ ምዅናን’ዩ ተጓይዩ። በቲ ጕዳይ ኣብ መጀመርታኡ ተቓሊዑ። ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠጅአ ጕዳይ ጂቡትን መንግስቲ ጂቡትን ተራ ከም ዘይነበሮም ድማ ብንጹር ይፍለጥ። ኣብቲ መጀመርታ መንግስቲ ጂቡቲ ነቲ ጕዳይ ነቒሑሉ ኣይነበረን። ምናልባት ንዕኡ’ውን መጻወድያ’ዩ ነይሩ። እቲ ዘደንጹን ዘገርምን ጕዳይ፡ ድሕሪ መግለጺ ኣመሪካ፡ ብቐጥታ ብኸምቲ ኣመሪካ ዘውጽኣቶ ትሕዝቶን ኵነታትን፡ ካልእ መግለጺ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምውጽኡ’ዩ። እዚ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሓደ ቤት ጽሕፈት ናይ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘቝጽሮ እዩ። ው.ሕ.ሃ. ከመይ ጌሩ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ዝኸኣለ? ስለዚ እቲ ጕዳይ ካብ መጀመርታኡ ዝተማህዘ ተዋስኦ ምንባሩ ብሩህ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ድሕረ ባይታ ናይቲ ጕዳይ ከምዚ ዝገለጽክዎ ኾይኑ፡ ካብዚ ንላዕሊ ግን ክዛረብ ኣይደልን እየ። ንብዙሕ ሓቅታት ዘቃልዕ ሰነዳት ድማ ክረአ ጀሚሩ ኣሎ። ምናልባት’ውን ነቲ መስርሕ ብምሉኡ ዘቃልዓልና ካልእ ሰነዳት ይመጽእ ይኸውን። እቲ ሕጋዊ መወከሲ ዘይነበሮ ዓማጺ ውሳነ ብ23 ታሕሳስ 2009 ምስ ወጸ፡ ነገራት ማእዝኖም ክስሕቱ ጀሚሮም። ቐጠራውያን ምትሕልላኽ ጕዳያት ኣድላይነት የብሉን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣሕዋት ስለ ዝኾንኩም ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ጕዳይኩም ክትፈትሕዎ ይግባእ  ብምባል እንደገና ተበግሶኦም ኣቕሪቦም። እዚ ኣብ መርገጺና ለውጢ ኣይነበሮን። ብወገንና ብኽልተኣዊ ደረጃ ክንፈትሖ’ዩ ድሌትና ነይሩ። እንተኾነ እቲ ጕዳይ ካብ ምቍጽጻር ካብ ወጸ፡ ብመንገዲ ሳልሳይ ኣካል ብዲፕሎማስያዊ ስምምዓት ዘይኮነስ ብሕጋውን ሞያውን ኣገባባት ምፍትሑ ጸገም የብሉን ኢልና። እንተድኣ ተዓሚጸ ወይ እጀታ ኣሎንኒ ዝበሃል ዘረባታት ኣሎ ኾይኑ ድማ ብሕጋዊ መገዲ ኽረጋገጽ ይግባእ። ንሕና ዶብና ሰጊርና ዘይመሬትና ከም ዘይጐበጥና ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ነዚ’ውን መርትዖታት ብምቕራብ ብሕጋውን ሞያውን ኣገባብ ክረጋገጽ የድሊ። ንሕና ንነገራት ካብ ቍጽጽር ክነውጽኦም ኣይንደልን ኢና። ሕጂ እቲ ጕዳይ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ። ንረብሓ ጂቡትን ኤርትራን ዘይኮነ ሽግራት ክፈጥር ዝደሊ ናይ ወጻኢ ኣጀንዳ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኣብ መርገጺና ሓድሽ ዝበሃል ነገር ስለ ዘይመጸ ንተበግሶ ቐጠር ተቐቢልናዮ። ኣሕዋት ጂቡታውያን’ውን ተቐቢሎሞ። እቲ ጕዳይ ብንቡር ኣገባብ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ቕድም ነገራት ንምጕህሃርን ሽግራት ንምብራዕን ምስ ካልእ ኣጀንዳታት ናይ’ቲ ዞባ ንምትእስሳሩን ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት ሕጂ የልቦን። ነቲ ጕዳይ ኣህጉራዊ መልክዕ ንምትሓዙን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሽግራት ንምፍጣርን ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት ተወጊኑ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ጕዳይ ብህድኣት ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዜናዊ ቘይቊ ምእታው ኣየድልን’ዩ። ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ ክንዛረብ ኣይንደልን ኢና። ብመሰረቱ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ሽግር ዝበሃል ስለ ዘየልቦ ድማ፡ እዚ ጕዳይ’ዚ ሽግር ኤርትራን ጂቡትን’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ የብልናን። ጽሩይ ማይ ናይ ምዝራግ ስራሕ ግን ገና ይቕጽል ኣሎ። እቲ ኣገዳሲ ግን እቲ ውጥን ንዅሉ ብሩህ ኮይኑ ምህላዉ እዩ። ሎሚ ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ እቲ ዝተሰንዐ ጕዳይ ርዱእን ኵሎም ዝዓገብሉን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዞባናን ካብ ዞባና ወጻእን ዝርከቡ ሰብ ሰናይ-ግብሪ ድማ ነቲ ሓቂ ፈሊጦሞ ኣለዉ። ነቲ ተጻባኢ ኣጀንዳ ግን ገለ ጐረባብቲ ሃገራት ገና የቓንያኦ ኣለዋ። ብፍላይ ከኣ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን ገለ ኣብ ትሕቲ ጽላል በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት  ዝርከባ ሃገራትን። ብዘይካ’ዚ ነዚ ጕዳይ’ዚ ንምትሕልላኽ ብመገዲ ትካላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝግበር ቀጻሊ ፈተነታት ኣሎ። ብሓፈሻኡ ግን እዚ ኣጀንዳ’ዚ ስለ ዝተቓለዐ፡ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣብ ዞባና ካልእ ሽግራት ንምፍጣር ነዚ ጕዳይ’ዚ ከረሳስኖን ክውልዖን ሕጋዊ ይኹን ፖለቲካዊ ምኽንያታት የብሉን።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት፡ የመን ብዝተፈላለየ ሽግራት ትሓልፍ ኣላ። መርገጺ ኤርትራ ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ብኸመይ ትገልጾ?

መልሲ፡- ንየመን ብዝምልከት ካብቲ ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ብግብሪ ዝተመስከረ መርገጺና ዝተለወጠ ሓድሽ ነገር የልቦን። ምስ የመን ኣብ ምድግጋፍ ዝተመርኰሰ መርገጺና፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ናይ ምትሕግጋዝ ሃዋህው ዝፈጥር ርጉእ ከባቢ ምውሓስ ዝብል መረዳእታና’ዩ ዝብገስ። ንሕና ምስ ሓድነት የመን ኢና። ኣብ መርገጺና ደብዛዝ ነገር የልቦን። ኣብ እዋን መግዛእትን ድሕሪኡን ክልተ የመን ዝበሃላ ነይረን። ብመሰረት ናይ ሰሜንን ደቡብን ህዝቢ የመን ድሌት ድማ ሓድነት መጺኡ። መርገጺና ኸኣ ምስ ሓድነት ክልተ የመን እዩ። ምኽንያቱ ሓድነት ንረብሓ ህዝቢ የመንን ንመላእ’ቲ ዞባን ዘገልግል’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘሎንና። ኣብ ውሽጢ ዅነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እንተ ረአና’ውን የመን ኣካል ፖለቲካዊ ካርታ ናይዚ ዞባ እያ። ስለዚ ኸኣ ቅሳነት የመን የገድሰና እዩ። ሓድነት የመን ብዝምልከት ድማ መትከላዊ መርገጺ ኣሎንና። ኣብ የመን ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ጸገማት እኳ እንተ’ሎ ኣብ ውሽጢ ሓድነት ክፍታሕ ይግባእ። ነገራት ተጓሃሂሩ ካብ ውሽጣዊ ሽግር ናብ ዞባውን ኣህጉራውን ሽግር ክምዕብል ኣየድልን። ኣብ የመን ረብሓታቶም ንምርግጋጽ፡ ንሕቶ ግብረሽበራን ምምካት ግብረሽበራን፡ ከም ኣጀንዳ ዝጥቀሙሉ ኣህጉራውያን ሓይልታት ዕድል ክረኽቡ ኣይግባእን። የመናውያን ሽግራቶም ባዕላቶም ክፈትሕዎ ይኽእሉ እዮም። ሽግር ኣሎ እንተድኣ ኾይኑ፡ ነቲ ሽግር ንምልላይ ናይ የመን ተበግሶ’ዩ ዘድሊ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሽግር ሱዳን ብሱዳናውያን፡ ሽግር ሶማል ድማ ብሶማላውያን ከምኡ’ውን ሽግር የመን ብየመናውያን ጥራይ ክፍታሕ ይግባእ። ሽግራቶም ክፈትሑ ከኣ ብቕዓትን ዓቕምን ኣሎዎም። ሖሲዪን ኣለዉ፣ ዓመጽን ጠለባትን ኣሎ፣ ብዝብል ምስምስ ካብ ኵነታት የመን ንምርባሕን ሰላምን ርግኣትን ጸጥታኣን ንምዝራግን ዝግበር ምትእትታው ብወገና ቅቡል ኣይኮነን። ብትሪ ድማ ንነጽጎ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ምኽንያታት ናይ ወጻኢ ምትእትታው ንጹግ እዩ። ኣብ ደቡብ ወጽዓ ኣሎ እንተድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ሰሜን’ውን ኣሎ። የመናውያን ድማ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ሽግራቶም ይፈልጡ እዮም። ብዘይ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ክፈትሕዎ ድማ ዓቕሚ ኣሎዎም። ውሽጣዊ ሽግር ምስ ዝህሉ ብውሽጣዊ ደረጃ ክፍታሕ የድሊ። ምትእትታው ዝበሃል ክህሉ ኣይግባእን። ሃናጺ ተራ ዘለዎም ወገናት እንተድኣ ኣልዮም ድማ፡ ብዘይምውዕዋዕ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ንየመናውያን ጥራይ ክሕግዙ የድሊ። የመናውያን ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዓቕሚ ኣሎዎም ዝብል እምነት’ዩ ዘሎንና። ነቲ ሽግር ኣብ ክንዲ የመናውያን ኮይኖም ክፈትሕዎ ዝደልዩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እንተድኣ መጺኦም፡ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ከየምጽኡ ዘይርጉእ ኵነታት ክፈጥሩ እዮም። ንሕና ኤርትራውያን ናይ ወጻኢ ምትእትታው ዘይኮነስ፡ የመናዊ ፍታሕ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ኣሎንና። ኵለን ጐረባብቲ የመን ዝኾና ሃገራት ድማ ንየመን ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእን ጸገማታ ንምፍታሕ ክሕግዝኣ ይግባእ። ሕቶ ልምዓት፡ ምምሕዳርን ፖለቲካዊ ስርዓት ኵሉ ንየመናውያን ዝምልከት ጕዳይ እዩ። ብተበግሶ የመናውያን ድማ ክፍታሕ ይግባእ። ካብ የመን ወጻኢ ብደገ ዝግበር ፍታሕ ናይ ምድላይ ፈተነታት ግን ጸገም እዩ። ኤርትራ ኣብ ጎኒ የመናውያን ጸኒሓን ኣላን። ምስ ቅሳነትን ሓድነትን የመን ድማ’ያ። የመናውያን ሽግራቶም ባዕላቶም ክፈትሑ ኸኣ ትድግፍ።

1355
-