Interview with President Isaias Afwerki ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

PIA inteview

ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቀዳማይ ክፋል
መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መንግስቲ ዋና ኸተማ ኣስመራ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኽልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝቐጸለ ዓሚቚን ነዊሕን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ነዚ ብኣጋጣሚ ምድላዋት መበል 20 ዓመት ዝኽሪ በዓል ናጽነት፡ ዓወታትን ብድሆታትን ሃገረ ኤርትራ ብዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶታትን ዝሃቦ መልስን ገምጋምን ዓሚቚን ኣገዳስን ሓበሬታትን ትንታነታትን ዝሓዘ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ተመኵሮ ሽዱሽተኣን ዞባታት ኤርትራን ምዕባለአንን፡ ኣብቲ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝምርኰስ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዘሎንና መረዳእታ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ከምኡ’ውን ኤርትራዊ መንእሰይ ጽቡቕ ወራሲ ካብ ጽቡቕ ኣውራሲ ምእንቲ ክኸውን፡ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ምህናጽ ኣፍራዪ መንእሰይ ንእተጻወቶ ዘላ ኣዎንታዊ ተራ ዘርዚሩ። ብተወሳኺ ነቲ ብቝጽሪ 1907 ዝፍለጥ ብኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዓማጽን ፍትሒ ዝረገጸን ውሳነ ዓሚቝ  ነቐፌታዊ ትንታነ ሂቡሉ።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት 24 ግንቦት 2011 ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጽነቱ ዝጨበጠሉ መበል 20 ዓመት ከኽብር እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዝነበሩ ቐንዲ ብድሆታትን ዓወታትን እንታይ ነይሮም?

መልሲ፡- ብዛዕባ ዘጋጠመ ብድሆታትን ዝተጨበጠ ዓወታትን ምሉእ መልሲ ንምሃብ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝሓትት እዩ። ቀንዲ ብድሆ ኣብ ቅርጺ’ዩ ነይሩ። ኣነ ዅሉ ግዜ ብዛዕባ ቅርጺ’የ ዝዛረብ። ምናልባት ምስ’ቲ ንሕና እንዛረበሉ ክውንነት ዝሳነ ቕኑዕ ስነ-ቃል ኣብ ምምራጽ ዕዉት ከይከውን እኽእል እየ። ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘንጸፍናዮ ፖለቲካዊ ህንጸት ናይ ኵሉ መሰረት እዩ። እንተኾነ ኣብ ግብሪ ከምቲ ዝድለ ኣይተተርጐመን።

መስርሕ ህንጸት ሃገር ክልተ ገጽ ዘለዎ ኮይኑ ምናልባት ብቛንቋ ኮምፑተር ሶፍት ዌርን ሃርድ ዌርን ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። መጀምርታ ክንብገስ ከለና ሃገር ፍጹም ዓንያ’ያ ነይራ። ምህናጽ ሃገር ትሕተ ቕርጺ ማለት ጽርግያ፡ ወደባት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መራኸቢታት፡ ኤሌክትሪክን ዝስተ ጽሩይ ማይን ወዘተ … የድሊ። እዚ ዅሉ ግን ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ ካብ ትሕቲ ባዶ ኢና ጀሚርና ክንብል ንኽእል። ኵሉ መለክዒታት ዘማለአት ሃገር ንምህናጽ ድማ ትሕዝቶ ክህሉ ይግባእ። ንሕና ናይ ምግባር ድሌትን ሓይሊ ህዝብን ጥራይ’ዩ ዘሎንና። ስለዚ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር እቲ ሃርድ ዌር ዝበሃል ንዓና እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዩ ነይሩ። እቲ ሶፍት ዌር ዝበሃል ከም ስነ-ኣእምራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምድላዋት ግን ኣሎንና ጥራይ ዘይኮነ፡ በዚ መዳይ እኹል ትሕጃ ንውንን ኢና። ምስቲ ዅሉ ዘሎንና ፋይናንስያዊ ሕጽረት፡ ብሳላ’ቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘጥረናዮ ተመኵሮታት፡ በዚ እንውንኖ ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጽ ን ህንጸት ሃገርን ነዚ ክሳዕ ሕጂ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወታት ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና። ዘጋጠመና ብድሆታት ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዘረጋገጽናዮ ዓወታት ክነጻጸር ከሎ ሽሕ’ኳ ግድን ክንሰግሮ ዝግብኣና ጕዳይ እንተኾነ ብዙሕ ዘሻቅል ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ ከኣ፡ ዓወታት ዝልክዓሉ መዐቀኒታት እንታይ’ዩ? ዝብል እዩ። ዓወታት ብስምዒት ዝልካዕ ድዩ? ከም ዝመስለካ ፍርዲ ዝወሃበሉ ድዩ? ብዝመጸልካ ከምዚ ገይረ ከምዚ ሰሪሐ እናበልካ ዲኻ ትዛረብ? ብዙሕ መዐቀኒታት ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ምስ ዝማዕበላ ምህናጽ ትካላትን፡ ስርዓትን ትሕተ ቅርጽን ብዙሕ ብድሆታት ዝሰገራ ሃገራት ምርኣይ’ውን ይከኣል እዩ። በቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዘረጋገጽናዮ ፍርያት ክንም ካሕ ኣይግባእን እብል። ምኽንያቱ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዘረጋገጽናዮ ምስ ባህግታት ናይዚ ኣብ ምህናጽ ሃገር ክቡር ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክዳረግ ስለ ዘይክእል። ይኹን እምበር ብመዐቀኒታት ኣፍሪቃ፡ እስያን፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመዐቀኒታት ኤውሮጳ እንተ ኣመዛዘንናዮ ብምቕሉል ዓቕምታትን ሓያል ድሌትን ብዙሕ ስለ ዝዓመምና ብቐሊሉ ዝረኣ ኣይኮነን። እንተኾነ ብኤርትራዊ መዐቐኒ እንተ ረኣናዮ፡ ካብ ባህጊ ህዝብና ክንደይ ሚእታዊት ኢና ኣሳሊጥና? ሓደ ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ምናልባት ካብ ባህግታትና ሓደ ሚእታዊት ጥራይ’ና ዓሚምና ዘሎና ክብል ከለኹ የገርም ይኸውን። ምስ ካልእ ከባቢታት ክነጻጸር ከሎ ግን ኣዝዩ ዓቢ ዓወት እዩ። ፍልልያት ኣሎ፡ ሰባት ድማ ብኸምቲ ዝደልይዎ ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም። ኣነ ግን ብድሆታትን ዓወትን ብኸምዚ ዝጠቐስክዎ መልክዕ እየ ዝርድኦ።

ሕቶ፡- እዚ ብዛዕባ ብድሆታትን ዓወትን እዩ ነይሩ። ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ካልእ ሕቶ ክንሰግር፣ ተመኵሮ ሽዱሽተ ዞባታት ኤርትራን ተራ ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገርንከ ከመይ ትግምግሞ?

መልሲ፡- እዚ’ውን ሓደ ኽፋል ናይቲ ብድሆ እዩ። ፖለቲካ ዝበሃል ኣሎ እንተድኣ ኮይኑ፡ ቅድሚ ዅሉ ምህናጽ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት’ዩ ዝምርኰስ። ኣብ ዝኾነት ሃገርን ሕብረተ ሰብን ጒድለታት ዘጋጥም ብዛዕባ’ቲ ሕብረተሰብ ቅኑዕ ገምጋም ምስ ዘይትህበሉ እዩ። ብወገንና ልምዓታዊ ፕሮግራም ግድን ምዕሩይ ክኸውን ይግባእ ኢና ንብል። ባጀት ሃገር ኣብ ክንዲ’ቶም ብፍሉይ ኵነታት ተረባሕቲ ዝኾኑ፣ ነቶም ዝተረስዑ ዝያዳ ቖላሕታ ብዝህብ ክመቓራሕ ኣለዎ። ነቲ ኣብ መንጎ ኸተማን ርሑቕ ገጠራትን ዝነብር ዘሎ ናይ መነባብሮ ደረጃ ፍልልይ ንምእላይ ልምዓታዊ ውጥን የድሊ። እቲ ልምዓታዊ ውጥን ድማ ግድን ባህላዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ደረጃ ምዕባለ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ። ዝኾነት ሃገር፡ መንግስቲ ወይ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ነቶም ኮነ ኢልካ ብዝተፈጸመ ታሪኻውን ሰብኣውን ምኽንያታት ዝተረስዑን ዝተወገኑን ወገናት፡ ግድን ኣብ ግምት ከእትውዎም የድሊ። ስለዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን፡ ኣብ መንጎ ተረባሕቲ ዝጸንሑን ዝተረስዑን ዘሎ ፍልልያት ንምጽባብን ንምእላይን ክስራሕ ይግባእ። በዚ መሰረት ነዘን ሽዱሽተ ዞባታት እንተ ረኣናየን ነፍስ ወከፍ ዞባ ናታ ፍሉይ ኵነታት ኣሎዋ።

ንኣብነት ዞባ ማእከል ምስ ዋና ኽተማ ሃገር፡ ኣስመራ እንተድኣ ወሲድና ምስ ካልኦት ዞባታት ብምንጽጻር ብመጠኑ ኣብኡ ዅሉ ነገራት ዝሓሸ እዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዅነታት መንግስቲ ንልምዓት ኣስመራ ዝምልከት ውጥናት ከዳሉ ድዩ ዘለዎ ወይስ ነቲ ርሑቕ ከባቢታት? ነቶም ዝተረስዑ ዞባታት ከምቶም ኣብ ዋና ኸተማ ዝነብሩ ዜጋታት ንክረኽቡ ክሰርሓሎም የድሊ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ከም መጓዓዝያ ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማእከላት ጥዕና፡ ጽሩይ ዝስተ ማይን ኤሌትሪክን ንክረኽቡ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ። ብዛዕባ ብድሆታት ክንዛረብ ከለና፡ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ንምስልሳል ፋይናንስያዊ ሕጽረት ኣሎ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ንዜጋታት ዕድል ምፍጣር ዘኽእል ብመድረኻት ዝመቓራሕ ጸጋታት የልቦን ማለትና እዩ። ምኽንያቱ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ዕድል ክረክብ መሰሉ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ዕድላት’ዚ ክሳዕ ዝጭበጥ ክውንነት ናይ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ግምት ክወሃቦ ኣለዎ። እዚ ከኣ ሓደ ካብ ቀዳምነታት ዞባታት እዩ። ስለዚ ገለ ዞባታት ድሑራት ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ድማ ናይ ልምዓት ምቹእ ኵነታት ዘለወን ዝገስገሳ ዞባታት እየን። ገለ ግን ከምኡ ዓይነት ኵነታት የብለንን። እዚ ኸኣ ሓደ ኽፋል ናይቲ ቐዳምነታት እዩ። እንተደኣ ነዚ ክውንነት’ዚ ጐስዩ ንዝተወሰነ ከባቢ ዘልምዕን ኵሉ ዓቕምታት ናብኡ ዘቕንዕን ትካል ወይ መንግስቲ ኣልዩ ድማ ከምዚ ዓይነት ልምዓት ትርጒም የብሉን። ብወገንና ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝነበረ ቐዳምነታትና ኣብ መንጎ ዝተፈላልዩ ማሕበራዊ ቐጸላታት፡ ኣብ ዞባታት ይኹን ኣብ ውሽጢ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ናይ ሓንቲ ዞባ ንዘሎ ጋግን ፍልልያትን ንምጽባብ፡ ነቲ ዝርካቡ ትሕዝቶታትን ጸጋታትን ኣብኡ ምምቕራሕ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ካልኦት ዘይማዕበላ ሃገራትን ሕብረተ ሰባትን እቲ ቐንዲ ብድሆ ከኣ እዚ እዩ። እዚ ጒዳይ እዚ እንተደኣ ዘይተፈቲሑ ቅሳነት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ልምዓት ዝበሃል’ውን የልቦን። እዚ ሓደ ካብቲ ዘጋጠመና ብድሆታት እኳ እንተኾነ፡ ውርሻታት ተመኵሮ ስለ ዘሎንና መደባትናን ፖለቲካዊ መስመርና ቕኑዕ ስለ ዝነበረን ግን ጌጋታት ኣይፈጸምናን። ዋላ’ኳ ንባህግታት ህዝብና ዝዳረግ ዓወታት እንተ ዘይኣረጋገጽና፡ ቕኑዕ መኣዝን ሒዝና ብዙሕ ዓሚምና ኢና።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት እዚ ትንታነ እዚ ናብ ብዛዕባ መረዳእታን ኣተረጓጕማን ኤርትራ ኣብ ጕዳይ ዲሞክራስያዊ መስርሕ እዩ ዝመርሓና። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ መብራህካልናዶ?

መልሲ፡- ብመሰረቱ ዲሞክራሲ ዕላማ ዘይኮነ ኣገባብ እዩ። ሓቀኛ ሃገራዊ መሰላት ንምርግጋጽ እትጥቀመሉ ኣገባብ እዩ። ሓደ ዜጋ ዅሉ መሰላቱ ንኽረክብ ድማ ግድን ዕድላት ክህሉ ይግባእ። ዲሞክራሲ ብመገዲ መድመጺ ሰናዱቕ ወከልቲ ንምምጻእ እትጥቀመሉ ኣገባባብ ኣይኮነን። ሓቀኛ ተሳትፎ ዜጋታት ክህሉ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፡ መድረኻት ምዕባለ ሕብረተ ሰባት ዕቱብ ፍታሕ ከምዘድልዮ ርዱእ እዩ። ዜጋታት ኣብቲ ዝምልከቶም ጕዳያት ሓቀኛ ሱታፌ ክህልዎም የድሊ። ኣብ መዓልታዊ ጕዳያት ይኹን ወይ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት፡ ብንቕሓት ክሳተፉ ዘኽእሎም ደረጃ ክበጽሑ ኣለዎም። ስለዚ ዅሉ ዕድላት ክረጋገጸሎም ይግባእ። ካልእ ገጽ ናይዚ ጕዳይ እዚ ከኣ ትካላዊ ኣሰራርሓ እዩ። ተሳትፎ ዜጋታት ንምርግጋጽ ዘኽእል ብቑዕ ትካላት ክህሉ ይግባእ። ስለዚ ብናትና መለክዒታት፡ እዚ ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድላት ብምፍጣር ዘረጋግጽ ተሳትፎ እቲ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ናይ ዜጋታት ንሱ እዩ። እቲ ዕድላት ንዝተወሰነ ጕጅለ ወይ ዝወሓዱ ኽፍሊ ሕብረተሰብ ጥራይ እንተደኣ ኾይኑ፡ እቶም ውሑዳት ዝበሃሉ ደቆም ናብ ዩኒቨርሲትን ኣብያተ ትምህርትን ክልእኩ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ድማ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ነቲ ዕድላት ክረኽብዎ ኣይክእሉን ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ ዅነታት ነቶም ዕድላት ዘይረኸቡን ዝረኸቡን ብሓባር ኣብ መድመጺ ሰናዱቕ ኣድምጹ ክበሃሉ እንተደኣ ኮይኖም፡ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣይኮነን። ሓቀኛ ዲሞክራሲ ዝበሃል ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን ምዕባለ ሕብረተሰብ ዘረጋግጽን ናይ ነፍስ ወከፍ ዜጋ መሰላት ዘወሕስን እዩ። እዚ ድማ ነታ ሃገር ኣብ ዜግነታዊ መሰረት ዝቖመ፡ ዜጋታት ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ርእይቶኦም ክህቡሉ ዝኽእሉ ማዕረ ዕድላት ከውሕስ ይኽእል። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ነዚ መሰል እዚ ንምርግጋጽ ድማ ጻዕርታት ዝሓትት እዩ። ኣብ ኵነታትና እንተ መጺእና፡ ዘጋጠመና ፖለቲካውን ናይ ደገ ምትእትታውን ብድሆታት ንሱ ዝፈጥሮ ዕንቅፋታትን ነቲ እንደልዮ ካብ ምርግጋጽ ኣደናጒዩና እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ሃገራዊ ትካላት ንኸይንሃንጽን፡ ፖለቲካዊ ምዕባለ ንኸይነረጋግጽን ናይ ግዳም ሓይልታት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ክዕንቅፉና ጸኒሖም። ድሕሪ ናጽነት ዝሓለፍናዮ መድረኻት እንተረኣና፡ መስርሕ ጒዕዞና ዝተፈላለየ ዕንቅፋታት ብፍላይ ድማ ዝተሰንዐ ዶባዊ ሽግር ኣጋጢምዎ’ዩ። እዚ ከኣ ንፖለቲካዊ ምዕባለ ናይ’ዛ ሃገር ኣብ ምዝሕታል ተራ ነይሩዎ። ምስዚ ዅሉ ብድሆታት’ዚ ግን ኵሉ ዕንቅፋታት ኣብ ምስጋር ተዓዊትና ኢና።

ኣብ መወዳእታ ዘሎንና ንቕሓትን፡ ናይ ምግባር ኒሕን ናብ ሓቀኛ ሱታፌ ከም ዘብጽሓና ዓሚቚ እምነትን ዕግበትን ኣሎንና። ነዚ ተሳትፎ’ዚ ብዙሕ ስያመታት ክወሃቦ ይከኣል ይኸውን። እዚ ኾይኑ እቲ ግን ንሕና በቲ ካብ ቃልሲ ዝወረስናዮ ፖለቲካዊ ተመኵሮን ብዘሎንና ባህግታትን ምቹእ ሃዋህውን ፖለቲካዊ ሱታፌን፡ ትካላት ከም እንሃንጽን ናብ ዕላማታትና ከም እንበጽሕን ጥርጣረ የብልናን። ምናልባት እዚ ኣብ ውሽጣዊ መስርሕ ወለዶታት ዝረጋገጽ’ኳ እንተኾነ፡ ምቅልጣፉ ግን መሰረታዊ ጕዳይ እዩ። ምኽንያቱ ንዘጋጥመና ፖለቲካዊ ብድሆታት ክንሰግር ከለና፡ ንልምዓት ሃገር ምቹእ ኵነታት ንፈጥር ኣለና ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ደረጃ መነባብሮ ዜጋታት ልዕሊ’ቲ ዝድለ ባህግታት ክኸውን ይኽእል። ይኹን’ምበር ኵሉ’ዚ ዝገለጽኩዎ ብቐሊሉ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዝግባእ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ብቐዳምነት ድሌት ክህሉ ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ ከኣ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘድሊ ወድዓዊ ረቛሒታት ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ኣብ ጕዕዞ ዕንቅፋታት ዝፈጥር ናይ ወጻኢ ምትእትታው ኣሎ። ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመት ተመኵሮ እንተረኣና፡ እዚ ህዝብ’ዚ ንኸይምዕብልን ትካላቱ ንኸይሃንጽን፡ ኣብ ሓራ ሃዋህው ኮይኑ ንኸይሰርሕን ብዙሕ ዕንቅፋታት ዝፈጠረሉ ናይ ደገ ምትእትታው ኣጋጢምዎ። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ሓደ ክፋል ናይቲ ብድሆታት’ዩ ነይሩ። ኣብ መጻኢ’ውን እዚ ብድሆ’ዚ ክህሉ እዩ። እንተኾነ ሓያል ድሌትን ናይ ምግባር ዓቕምን ህዝብና፡ ንዅሉ’ቲ ብድሆታት ክስዕሮ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት ብዛዕባ ንመዓስከር ሳዋ ከም ወተሃደራዊ ታዕሊም ጥራይ ዝርኢ ግጉይ መረዳእታ ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ዝገለጽካዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተወልደን ዝበሰለን ሰውራውን ሰብኣውን ክብርታት ወሪሱ ዝቕጽሎን፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝምርኰስን ብሉጽ ወለዶ ንምህናጽ ዝቐንዐ እዩ። ስለዚ ነዚ ፍሉይ ኤርትራዊ ተመኵሮ’ዚ ከመይ ትግምግሞ?

መልሲ፡- እዚ ናይ ኤርትራ ፍሉይ ተመኵሮ ኣይኮነን። ንሕና ዝመሃዝናዮ ሓድሽ ነገር የልቦን። ሳዋ ክንጅምር ከለና፡ ንዝኾነ ሰብ ሓድሽ ጕዳይ ኣይነበረን። መቐጸልታ ተመኵሮ ሰውራ እዩ። ተመኵሮ ሰውራ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቓልሲ እንተ ረኣና’ውን እዚ ጕዳይ’ዚ ነይሩ እዩ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ሓደ ኣተሓሳስባን ንቕሓትን ዝህነጸሉ’ዩ ነይሩ። ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን መጺኦም ኣብቲ ዕጥቃዊ ቓልሲ ተሳቲፎም። ዕጥቃዊ ቃልሲ ከኣ ብሓባር ከም ወርቂ ዝፍተነሉ ቑራዕ እዩ ነይሩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኵሉ ማሕበራዊ ቀጸላታትን ዕድመታትን ኣብ ዕጥቃዊ ሰውራ ተሰሊፎም። ስለዚ ዕጥቃዊ ቓልሲ ከም ሓደ መዘናግዒ ዘይኮነስ፡ መሪር ተመኵሮ ዝነበሮ እዩ። ንኣብነት መንእሰያት ካብ ኣውራጃዊ ፍልልያት ሓራ ኮይኖም ሃገሮም ሓራ ከውጽኡ ክኢሎም። ሓርነት ኤርትራ ብኸምቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ካልኦት ካብ መግዛእቲ ናጻ ወጺእና ዝብላ ሃገራት ዝተኸተልኦ ኣገባብ ኣይኮነን ተፈጺሙ። ኵሎም ኤርትራውያን ብዝተፈተኑሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ተሓሊፉ። ምናልባት ናይ ኣበርክቶ ፍልልያት ነይሩዎ ይኸውን። ብሓፈሽኡ ግን ኵሎም ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ቑራዕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተፈቲኖም ወጺኦም። እዚ ድማ ክምዕብል ዘለዎ ሃብቲ እዩ።

ኣብ 1991 ሃገር ናጻ ምስ ወጸት፡ እቲ ሕቶ እንደገና ተላዒሉ። እዚ መስርሕ’ዚ ምስ ምምጻእ ናጽነት ደው ክብል ኣለዎዶ ወይስ ሃገር ንምህናጽ ከም ባህላዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን መስርሕ ክቕጽል ይግባእ? ዝብል ሕቶ ተላዒሉ። ሳዋ ዝብል ሓሳብ ድማ ካብዚ’ዩ ዝብገስ። ስለዚ ከኣ ሳዋ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ተመኵሮ እያ። ኣብ ሳዋ ገለ ካብ ዓሰብን ቃሮራን፡ ገለ ድማ ካብ ተሰነይን ኣስመራን ዓዲ-ዃላን ሰንዓፈን መጺኦም ብሓባር ተኣኪቦም፣ ነንሓድሕዶም ተፋሊጦም። እዚኣቶም ኣብ ግዜ ሰውራ ዘይነበሩን ቅድሚኡ ብረት ዓጢቖም ዘይፈልጡን መንእሰያት እዮም። ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ተመኵሮ’ውን የብሎምን። ካብቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝነበረ ዅነታት ኣብ ዝተፈለየ ሃዋህው ከኣ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ስለዚ እዚ መስርሕ’ዚ ግድን ክቕጽል የድሊ። ዝኾነ ፖለቲካዊ መስርሕ ክቕጽል እንተደኣ ኾይኑ ድማ፡ ኣብ ጒዳይ ህንጸት ሃገር ቀጻልነት ክህሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ብዘይናቱ ቐጻልነት ህንጸት ሃገር ክረጋገጽ ስለ ዘይኽእል።

ስለዚ ከምቲ ዝበልክዎ ሳዋ ሓድሽ ዝተማህዘ ነገር ኣይኮነን። ኵላትና በቲ ተመኵሮ ኢና ሓሊፍና። ኣብ ሰውራ ድማ ነንሓድሕድና ተፋሊጥና። ቅድሚኡ ነንሓድሕና ንፋለጥ ኣይነበርናን። ነዛ ሃገር ሓራ ንምውጻእ፡ ኣብ ሓደ ዕርዲ ብሓባር ሰሪሕና፣ ሂወትና ወፊና፣ ብሓባር ከኣ ተወፊና። ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ዘማዕበልናዮ ንቕሓት ሓደ ኣካል ናይ ሓደ ህዝቢ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ከም ዝኾንና ኣሚንና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ተመኵሮ’ዚ ግድን ክቕጽል ይግባእ። ሳዋ ከም ሓሳብ ክመጽእ ከሎ፡ ኲናት ስለ ዘሎ ወይ ካልእ ሽግራት ከይመጽኣና ኢልና ኣይኮናን ጀሚርናዮ። የግዳስ ነቲ ኤርትራ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝሃነጸቶ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምቕጻሉ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ነዚ ሓቅ’ዚ ዝኽሕድ እንተሎ ድማ ብዛዕባ ሳዋ ዝመስሎ ክዛረብ ይኽእል እዩ። ንሕና ግን ሳዋ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ህንጸት ሃገር ብወለዶታት ዝካየድ መስርሕ ምዃና ኢና ንሕብሮ። ብድሆታትን መግለጺታቱን ብዘየገድስ፡ ኣብ መደምደምታ ሳዋ ሓድሽ ምህዞ ወይ ኣብ ኤርትራ ቅድሚኡ ዘይነበረ ተርእዮ ኣይኮነን።

ሕቶ፡- ክቡር ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ብቝጽሪ 1907 ዝፍለጥ ዓማጺ እገዳ ዓመት ገይሩ። ናይዚ ውሳነ’ዚ ድርኺትን ሳዕቤኑን እንታይ እዩ? ኤርትራኸ ምስዚ ጕዳይ’ዚ ብኸመይ እያ ትዋሳእ ዘላ?

መልሲ፡- ብመጀምርታ እቲ ውሳነ ብፖለቲካውን ሕጋውን መዳይ ፍጹም ንጹግ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ። ኣብ ምትንታን ኵነታት ሶማል፡ ዝተሰንዐ ዶባዊ ፍልልይ ኤርትራን ጂቡትን፡ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽግር ሱዳንን እንተ መጺእና፡ ንሕና ንነገራት በቲ ዘሎ ህልው ኵነታት ጥራይ ፈላሊና ኣይንርእዮን ኢና። የግዳስ ኣብ ነንሕድሕዱ መጐታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ጕዳያት እዩ። እዚ ውሳነ እዚ ንምሕላፍ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መመኽነይታ ኣይነበሮን። ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ሓቅን መሰልን ንምንጋስ፡ ኣብ ጎኒ ፍትሒ ደው ንምባል ዝሰርሕ ኔሩ እንተ ዝኸውን ቅድም ቀዳድም፡ ነታ ንብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ምትግባር ሓንጊዳ ዘላ ኢትዮጵያ ምኣገደ ነይሩ። ውሳነ ኮምሽን ቤት ፍርዲ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ገና ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጐቢጣ ሒዛ ኣላ። ከምቲ ግቡእ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክከላኸልን መሰል ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከውሕስን ግዴታ ኣለዎ። ነቲ ውሳነ ንምሕላፍ ዝቐርብ ዝነበረ ምኽንያታት ምኽኑይ ኣይነበረን። እኳደኣ እቲ ምኽኒት ካብቲ ኣበሳ ዝኸፈአ’ዩ ነይሩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነዚ ውሳነ እዚ ንምሕላፍ ዝደረኾ ምኽንያታት እንታይ እዩ ነይሩ? ጕዳይ ሶማል ድዩ ነይሩ? ኣብ ሶማል ፖለቲካዊ ስራሕን ወጥርን ስለ ዘሎ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከሕልፍ መሰል ኣለዎ ድዩ? ከም ሓቂ እቲ እገዳ ምስቲ ንሽግር ሶማል ዝሓላለኸን ኣብ ሶማል ዘይርጉእ ኵነታት ብምፍጣር ኣካል ሽግር ሶማል ዝኾነን ናይ ወጻኢ ምትእትታው ዝተኣሳሰር እንተ ኾይኑ፡ ክእገዳ ዝነበረን ሃገራት ኬንያ፡ ኢትዮጵያን ጂቡትን እየን ነይረን።

ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ሶማል ምትእትታው ኣልቓዒዳ ኣሎ ዝብል እምነት እንተ ነይሩዎ ድማ፡ ክእገዳ ዝነበረን እተን ኣብ ሶማል ኣትየን ዘለዋ እየን። ኣብ ባይታ ዘየሎ፡ ኤርትራ ኣብ ሶማል ብምእታው ምስ ወገናት ሶማል ትሰርሕን ዘይርጉእ ኵነታት ትፈጥር ኣላ ብምባል እገዳ ምሕላፍ ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዘየሎ ውጹእ ሓሶት ስለ ዝኾነ። ነዚ ቅሉዕ ሓሶት’ዚ ዘረጋግጽ ሰነዳትን መርትዖታትን እውን የልቦን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንምሕላፍ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የብሉን። እንተደኣ እቲ ዝተሰንዐ ጕዳይ ዶብ ኤርትራን ጂቡትን ኮይኑ ድማ፣ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነቲ ዝተሰንዐ ጕዳይ ከየረጋገጸ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከሕልፍ መሰል የብሉን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ዝተሰንዐ ጕዳይ ኣሎ ብምባል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ምሕላፍ ብሕጊ ቕቡል ድዩ? ድሕሪ ዓመት ናይ’ዚ ውሳነ እዚ ኽብሎ ዝደሊ፣ ዕላማ ናይቲ እገዳ፡ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ ሽግር ሶማልን ኣብ ርግኣት ዞባናን ሃናጺ ተራ ንኸይትጻወት ንምዕጋታ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ብጸቕጢ ዋሽንግተን ዝመጸ እዩ። ዋሽንግተን ኣብ ዞባና ተራ ስለ ዘሎዋ፡ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ደድሕሪኣ ኸጐዪ ምኽኑይ ኣይኮነን። እንተደኣ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ልዕሊ ሕጋጋትን መዐቀኒታትን ዝሰርሕ ከም ቅዱስ ኣካል ንርእዮ ኾይንና፡ ወይ ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተሎና፡ ካብ መስመር ወጺእና ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ነውራም ውሳነ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ባዕሉ ዘሕስር እዩ። ንተኣማንነት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘኽፍእ እውን እዩ። ድሕሪ ዓመት ኲሉ’ቲ ኣንጻር ኤርትራ እገዳ ንምሕላፍ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሶታት ምቕልዑን ምኽሽሑን ድማ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዘይካ ንዓና ይቕሬታ ምሕታት ካልእ ኣማራጺ የብሉን። እቲ ውሳነ ጌጋ ነይሩ ኢሉ ንነገራት ናብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ከትሕዞም ይግባእ። ከምኡ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ጐቢጥዎ ዘሎ መሬት ኤርትራ ብምውጻእ ንዶባዊ ሽግር ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምፍታሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ጂቡትን ብዝምልከት ድማ ኣብ ኢድ እሙን ኣካል ኣትዩ ንምስጋሩ ይስርሓሉ ኣሎ። ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ጕዳያት ብዘይምኽንያትን ሕግን ምትእትታው ጌርና፡ ሕጂ ግን መርገጺና ኣሪምና ኣለና ክብል ይግባእ።

1417
-