Audio: Topic on 3 Top US Diplomats እማመ-ሰላም ምስ ኤርትራ ሰለስተ ዲፕሎማታት ኣሜሪካ መዘራረቢ ኮይኑ – VOA Tigrigna

VOA Tigrigna 2_5

Audio: Topic on 3 Top US Diplomats – VOA Tigrigna

Herman Cohen wrote, "A normalization of relations, following the end of UN sanctions against Eritrea, would have immediate benefits for both countries. A resumption of Ethiopian use of Eritrean ports would provide economic benefits to both countries with trade resuming in both directions. Both sides would also be able to demobilise the border with important cost savings". – See more at: http://eastafro.com/Post/2013/12/16/time-to-bring-eritrea-in-from-the-cold-herman-j-cohen/#sthash.pk66DA7k.dpuf

እማመ-ሰላም ምስ ኤርትራ ሰለስተ ዲፕሎማታት ኣሜሪካ መዘራረቢ ኮይኑ

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮዽያን ነዊሕ ዝኾነ ታሪኽ ዘለዎም፣ሕጂ‘ውን ነዊሕ ናይ ሓባር መፃኢ ዘለዎም ህዝብታት’ዮም።እዚ ሓደ ክንኣምነሉ ዘለና ሓቂ‘ዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ‘ዚ ጊዚያዊ‘ዩ።እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮዽያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ጊዚያዊ‘ዩ።ነቲ ነባሪ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ኢና ክንዘራረብ ዝግባኣና ይብል ዶ/ር ዓወት።

ኣቶ ዳደ ብወገኑ፣ሓደ እቲ እገዳ ክቅፅል የብሉን።ንከይቅፅል ከኣ ክግበር ዝግባኦ እቶም ናብኡ ዘብፅሑ ነገራት ብሙልኦም ብዝረጋገፅ ኣገባብ ዝተላዓሉ ምኳኖም ኤርትራ ዝተሓመየትሎም ብሙልኦም ፅርይቲ ኮይና ክትወፅእ ኣለዋ እምነት ኣለኒ ይብል።

ተዘየለ ትርጉም‘ቲ እገዳ ኤርትራ ዝበደለቶ ነገር ከይሃለወ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ማዕቀብ ኣንቢርካን ክትግለል ገይርካን ብዘይመበገሲ ክተንብረላን ብዘይመበገሲ ክተልዕለላን ከምቅቡል ነገር ክኸውን‘ዩ ማለት‘ዩ።ከምኡ እንተኾይኑ እዚ ዓለም‘ዚ ብሃታሃታ‘ዩ ዝምራሕ ማለት‘ዩ ይብል።

ክልቲኦም ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ቀፃሊ መድረኽና ብዛዕባ ኤርትራ ርክብ ምስ ኤርትራ ከምኡውን ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኢትዮዽያ ክካትዑ‘ዮም።

Click Below for Audio

[audio: http://realaudio.rferl.org/voa/TI/2014/02/06/0fd60bbd-a0c8-4f1f-abcc-0ab5220afa9b.mp3]
777
-