Audio: Ethiopia at UN Human Rights Council ዓፋኒ’ዩ ንዝተባህለ ሕግታት ኢትዮጵያ “አይቅበሎን” ኢላ – VOA Tigrigna

VOA Tigrigna 2_6b

Audio: Ethiopia at UN Human Rights Council – VOA Tigrigna 

ኣብ`ቲ ንሃገራት ዓለም ዝግምግም UPR፡ ዓፋኒ'ዩ ንዝተባህለ ሕግታት ክተመሓይሽ ዝተሓተተት ኢትዮጵያ "አይቅበሎን" ኢላ

ኣብ`ቲ ኣብ ጀነቫ ዝቐጸለ፡ ሕድሕዳዊ ምግምጋም፡  ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዛጊድ ዝቀረበ ሓሳባት ብፅሑፍ ጥራይ'ዩ። 

ኣብቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብፅሑፍ  ዝቀረበ ሓሳባት፣  ዓፈንቲ'ዮም ዝተባህሉ ሕጊ ፀረ-ሽበራን ንዘይመንግስታውያን ትካላት ዝቆፃፀር ሕግን ክመሓየሹ  ኣብ ክሊ ሶማሌ ትካላት ረድኤት አትዮም ክሰርሑን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንረድኤት መዕፆ ክኸፍትን ዝብሉ ይርከብዎ።

መንግስቲ አውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላፅን ነፃነት  ክኽበር ዘረጋግፅ ፍሉይ ራፖርተር  ንኽዋፈር  ዝብል ሓሳብ  ኣቅሪቡ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝቀረበ ሓሳባት ዝሃቦ ምላሽ'ዉን ኣብ ዓንዲ ኢንተርነት UPR ከምዝርአ ፣  ብሓደ ቃል ዝተጠቃለለ " አይንቅበሎን" ዝብል'ዩ።

አኼባ UPR ኣብ ኣኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ፡ ንኹለን ሃገራት ዝምልክት መድረኽ ሕድሕዳዊ ምግምጋም ሰብኣዊ መሰላት`ዩ።

Click Below for Audio

[audio: http://realaudio.rferl.org/voa/TI/2014/02/06/f6be9023-8e2f-4cf5-bf47-d95f64ac66bd.mp3]
688
-