ሓደጋ ላምፐዱሳ ንኸይድገም፡ ጠንቂ ስደት ደቂ-ሰባት ክምርመርን ስጉምቲ ክውሰድሉን ኣለዎ ኢሉ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም
ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወሰኖ ውሳነ፡ ከምቲ ገለ ጠውዮም ዝርድእዎ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቀንዐ ኣይነበረን`ውን ይብል
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ጉዳይ ICCን ኣፍሪቃን ክዘራረብ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን፡ ብዛዕባ`ቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ዝሃለቑ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን`ውን ተዘራሪቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ`ዩ።
ሓደ ካብ ውሳነታቱ፡ እቲ ህልቀትን መበገሲታትን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክምርመርን ክጽናዕን ኣተሓሳሲቡ`ዩ።
ንዕዑ ብዝምልክት ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ግርማ ኣስመሮም ሓቲትናዮ ኣለና፡ ተኸታተሉ፡
Click Below for Audio
[audio: http://realaudio.rferl.org/voa/TI/2013/11/08/12eed5f0-2fe7-4ede-b348-82ac9f8d8485.mp3]